2009-05-16 12:30:00

ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ቅድሚ ትማሊ ምስ ናይ እስራኤል ቀዳማይ ሚኒ. ቤንያሚን ናታንያሁ ከምእተራኸቡን


ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ቅድሚ ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ከተማ ናዝሬት ምስ ናይ እስራኤል ቀዳማይ ሚኒ. ቤንያሚን ናታንያሁ ከምእተራኸቡን፣ ኣብቲ ናይ 20 ደቒቕ ናይ ኅባር ርክብ ቅዱስ ኣቦና ኣብ’ዚ ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ምስ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ዝገበርዎ ርክብ መሠረት ገይሮም ብዛዕባ ጉዳይ ሰላም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘትዮም። ኣብ’ዚ ርክብ’ዚ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነን ብፁዕ ኣቡነ ፈርናንዶ ፊሎኒን ኣብ እሥራኤል ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪል ብፁዕ ኣቡነ ኣንቶኒዮ ፍራንኮን ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ፅሕፈት ዋና ፀሓፊ ኣባል ብፁዕ ኣቡነ ወልስ ከማኡ እውን ናይ እሥራኤል 6 ናይ መንግሥቲ ላዕለዎት ኣካላት ከ RealAudioMP3 ምእተሳተፉን ኣብ ሞንጐ ቅድስቲ መንበርን እሥራኤልን መሠረታዊ ናይ ሓባር ስምምዕ ኣብ ግብሪ ዝውዕለሉ ጉዳይ ኣመልኪቶም ከምዝዘተዩን ተገሊጹ።

RealAudioMP3







All the contents on this site are copyrighted ©.