Home Archivio
2009-05-14 14:06:56
ናይ ቫቲካን ናይ ዜናን ማሕተምን ክፍሊ ሓላፊ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ መግለጺ
“ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቤተልሔም ዘካይድዎ ዘለዉ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ደስ ዘብልን ዘሕጕስን ኢዩ” እንክብሉ ናይ ቫቲካን ናይ ዜናን ማሕተምን ክፍሊ ሓላፊ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ገሊጾም። “ንቕዱስ ኣቦና ዝተገበረ ኣቀባብላ ድሙቕን ውዕዉዕን ከምዝነበረን ድማ ሓቢሮም፣ ኣብቲ ዝቐረበ መሥዋዕተ ቅዳሴ ንምስታፍ ካብ ቤተልሔም ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ምዕራባዊ ወሰናስን ዮርዳኖስን ጋዛን ዝመጹ ብዙሓት ክርስትያን ምእመናን ተሳቲፎም። ናይ ሓጐስ ሃዋሑ ዝተራአየሉ ኢዩ ኔሩ፣ ኣብዚ ከባቢ ዝነብር ማኅበረሰብ ክርስትያን ዘለዎ ጸገም ብቅዱስ ኣቦናን ብናይ ላቲን ሥርዓት እትኽተል ቤተ ክርስትያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ኣቡነ ጥዋልን ተዘኪሩ።
ቅዱስ ኣቦና ተስፋን ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ምትሕብባርን ደገፍን ሰኒቖም ነቲ ሕዝቢ ናይ ተስፋ ቃል ኣስሚዖም፣ ኵላዊት ቤተ ክርስያንን ኣብዚ ክሊ ዘላ ቤተ ክርስትያን ኣክንዲ ምቅሕሓር ስምምዕን ኣክንዲ ውጥረት ምርግጋእን እትምስክር ምዃኑ ዘንጸባረቐ ኩነት ኢዩ ኔሩ” ቢሎምን ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝገለጽዎ ምትሕብባር ኣብቲ ናይዚ ከባቢ ሕዝቢ ሃረር ኣብ ዝብሎ ናይ ሰላምን ዕርቅን ድላይ ዝወሃደን ከምዝኾነን ገሊጾም፣ ቅዱስነቶም ናይ’ዚ ከባቢ መንእሰያት ነቲ ንሽበራን ዓመጽን ዝድርኾም ፈተና ክቃወሙን፣ ነቲ ናይ ምክፍፋልን ናይ ጸረ ሰላምን መገዲ ኣወጊዶም ንሰላም ዘለሊ መገዲ ክኽተሉ፣ ኣብ እስራኤልን ክልታት ፍልስጥኤም ንክርስትያንን እስላምን ኣይሁድን ከምዘተባዑን ኣባ ሎምባርዲ ካብ ዝሃብዎ ጸብጻብ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ቅዱስ ኣቦና ኣብ ክሊ ፍልስጥኤም በጺሖም ብርእሰ ብሔር ማሕሙድ ዓባስ ኣቀባብላ ኣብ ዝተገበረሎም ሥነ ሥርዓት ቅድስቲ መንበር ኣብ ሰላም ዝነብራ ክልተ ጎረባብቲ ልዑላን ሃገራት ዝብል ውሳኔ ትድግፍ። ሰላም ከምጽእ ከምዝኽእል እትኣምነሉ ኣመለኻኽታ ድማ እዚ ውሳኔ እዚ ጥራሕ ምዃኑ ብግልጺ ኣረዲኦም ኢዩም” እንክብሉ ዝሃብዎ ጸብጻብ ደምደሙ።
All the contents on this site are copyrighted ©.