2009-05-14 14:05:21

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ሃገረ ፍልስጥኤም


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ሃገረ ፍልስጥኤም ብናይዛ ሃገር ብሔራዊ መንግሥቲ ርእሰ ብሔር ማሕሙድ ዓባስ ምዉቕ ኣቀባብላ ተገይሩሎም። ኣብ’ዚ ኣብ ቤተልሔም ፊት ፕሬዝደንታዊ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቅርዓት ኣብ ዝተገብረሎም ኣቀባብላ ኣብ ዘስምዕዎ ዲስኩር “ሕዝቢ ፍልስጥኤም ናይ ገዛእ ርእሱ ልዑላዊት ሃገር ክህልዎ ኣብ ዘለዎ ተስፋ ተኻፋሊ ኢየ” ከምዝበሉ ተገሊጹ።

ነቲ ኣብ’ታ ሃገር ዝወርድ ዘሎ ስቓይ ኣመልኪቶም “ክሳብ ክንደይ ከምእተሳቐኹምን ገና ዝቕጽል ዘሎ ስቓይኩምን እርድኦን እፈልጦን ኢየ፣ ወትሩ ኣብ ጐድንኹም ኮይነ ናይ ስቓይኩምን ሓዘንኩምን ተኻፋሊ ኢየ” ከምዝበሉ ተሓቢሩ። RealAudioMP3

ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ቐጺሎም “ክቡር ርእሰ ብሔር ቅድስቲ መንበር ናይ ሕዝቢ ፍልስጥኤም መሰልን ፍቓድን ከምእትድግፍን ናይ ገዛእ ርእሱን ምስ ጎረባብቲ እውን ተሳንዮ ምርግጋኣን ሰላምን ዝዓሰላን ብናይ ዓለም ሓቆፍ ዶባዊ ክሊ መሠረት ልዑላዊት ሃገር ክህልዎ ከምእትድግፍን ክረጋገጽ እፈቱ፣ እዚ ዋላ’ኳ ኣብዚ እዋን’ዚ ብሕጹጽ ዝጭበጥ ሸቶ እንተዘይመሰለ፣ ናይ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ቅኑዕን ሕጋውን ባሕጊ ኣብ ሓደ ስምምዕ ክብጻሕ ዝጥምት ተስፋ ተግባራዊ ዝገብሮ ባይታ ክፈጥረሉ አተባብዕ” ከምዝበሉ ተገሊጹ።

እነሆ ድማ እዚ ኵሉ ክትግበር እቶም ኣብዚ ካብ ነዊሕ ዓመታት ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ተዋሳእቲ ዝኾኑ ቅርሕትን ምግርጫዋትን ኣወጊዶም ናይ ኵሎም መሰላትን ፍድቓድን ክብርን ብሓገዝ ማኅበረሰብ ዓለም ክፍለጥን ክኽበርን ንኹሉኹም እሓትት፣ ናይ ኵሉ ናይ ፍትሒ ትጽቢቱ ብምልኣት ዘኽብርን ኣብዚ ከባቢ ቀጻሊ ሰላም ከረጋገጽ ዘኽእል ቅኑዕን ተስፋ ዘይቆርጽ ጽኑዕ ድላይ ዘተ ውሑስ ክኸውን ሓደራ” ከምዝበሉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ኣብ እስራኤልን ኣብ ክሊታት ፍልስጥኤምን ዝረኣዩ ሓደገይና ሽግራት መፍትሒ ረኺቦም ቅሳነት ከምጽእ ዘኽእልን ናይ ምንቅስቃስ ነጻነትን ኣባላት ስደራ ቤት ክራኸብሉ ዝኽእሉሉን ናብ’ዚ ከባቢ ቅዱሳት ሥፍራታት ክብጻሕ ዘኽእል ኣድላዪ ኩነት” ክረጋገጽ ድማ ኣተባቢዖም።

“ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ጋዛ ብዝተኻየደ ግጭት ዝዓነዉ ኣብያተ ትምርትታትን መእለይ ሕሙማንን ዳግም ክሕነጹን ሓደራ፣ ኣብ ልባትኩም ሕርኽርኽ ዝብል ቅርሕንቲ ሓዲጉ ዘሎ ኩላትኩም ብቐረባ እትምስክርዎ ሕይወት ናብ ሓደጋ ዘቃልዕ ናይ ዕንወት ኩነት ከተወግዱን እጽውዕ፣ ናብ ዓመጽን ሽበራን ክድርኸኩም ዝኽእል ፈተናታት ክትቃወምዎን” የተባብዕ ቢሎም፣ ንምጻሩ እቲ ናይ ስቓይ ተመክሮ ኣባኹም ሰላም ንምሕናጽ ድላይ ከሕይል ይግባእ” ከምዝበሉ ተሓቢሩ።

ርእሰ ብሔር ማሕሙድ ዓባስ ብተራኦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ “ፍልስጥኤምን እስራኤልን ክልተ ኣብ ቀጻሊ ሰላምን ምርግጋእን ዝነብራ ጎረባብቲ ሃገራት ዝብል ውሳኔ ኣድላዪነቱ ገሊጾም፣ ሕዝቢ ፍልስጥኤም፣ ሃገሩ ነጻ ሃገር ኮይና እትረጋገጸሉ ዘለዎ ተስፋኡ ኣይመክንን ኢዩ ደለይቲ ሰላም ኢና” ድሕሪ ምባል “ኣብ ክንዲ መራኸቢ ድልድል ምሕናጽ ብንጻሩ ፈላላይ መናድቕ ብሕልፊ ድማ ናይ ሕዝቢ ፍልጥኤም ስቓይ ዘጋድዶ ኣብ ሰሜናዊ ኢየሩሳሌም ዝሕንጸ ዘሎ መናድቕ ጠቒሶም፣ እስራኤል ኣብ ጋዛ እትፍንዎ መጥቃዕቲ፣ ኣስላማይ ይኹን ክርስትያን ናይ’ዚ ከባቢ ሕዝቢ ንስደት ይድርኽ ከምዘሎን ክውገድ እውን እጽውዕ” ከምዘብሉ ተገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.