2009-05-14 15:39:18

ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ናዝሬት


ነቲ ዝሓለፈ ዓርቢ 8 ግንቦት ዝጀመርዎ ናይ ቅድስት መሬት ዑደት ብጽቡቅ ይካየድ ከምዘሎ ክፍለጥ እንከሎ ጽባሕ ዑደቶም ቅድሚ ምዝዛሞም ሎሚ ንጋሆ ናዝሬት በጺሖም። ኣብ ጥቃ ጎቦ ገምገም ባሕሪ መሥዋዕተ ቅዳሴ አዕሪጎም። ድሕሪ ቀትሪ ድማ ምስ ናይ ገሊላ መራህቲ ሃይማኖት ኣብ ባሲሊካ ብሥራተ ገብርኤል፤ ከምዝተራኸቡ ከምኡ ከአ ነቱ እግዚእትነ ማርያም ንገብርኤል መልአኽ እወታኣ ዘረገጽትሉ ቤተ መቅደስ ከምዝተሳለሙ፤ ምስ ጠቅላይ ሚኒስተር እስራኤል ሚስተር በንጃሚን ናትናያሁ ተራኺቦም ድማ ንመደባት መዓልቶም ብሥርዓተ ጸሎታት ሰርክ ከምዝዛዘምዎ ተመልኪቱ።

RealAudioMP3







All the contents on this site are copyrighted ©.