2009-05-13 11:35:07

ሓዋርያዊ ዑደት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 አብ እስራኤል ፍልስጥኤምን ብጽቡቅ ይቅጽል አሎ።


ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ አብ ማእከላይ ምብራቅ ዘካይድዎ ዘለዉ ሓዋርያዊ ዑደት ብጽቡቅ አገባብ ይቅጽል ከም ዘሎ ምስኦም ዝተጓዕዙ መራኸቢ ብዙኀን ቫቲካን አፍሊጦም።

ሎሚ ሮቡዕ ንጋሆ ካብ ኢየሩሳሌም ተላዒሎም ብመኪና ናብ ቤተልሔም በጺሖም። ሕዝቢ ፍልስጥኤም ብምውቕ ኣገባብ ተቐልዎም። ምስ ናይ ርእሰ ምምሕዳር ፍስልስጥኤም ፕረሲደንት መሓሙድ ዓባስ ተራኺቦም።

ብቅርዓት መብልዕ ማል manger square ዝፍለጥ ቅርዓት መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተወልደሉ ቦታ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም፣ ንንግደቶምን ንህዝቢ ፍልስጥኤምን ዝምልከት መንፈሳዊ ስብከት ሰቢኾም።







All the contents on this site are copyrighted ©.