2009-05-12 10:18:18

፬ይ ሰንበት ዘትንሣኤ


መዝሙር፥ ተንሥአ ወአንሥአ ኩሎ ሙታነ. . .

ንባባት፥ቆላስያስ 3፥1~ፍ ፩ዮሓንስ 3፥1~10 ዮሓንስ 10፥11~18

ኢየሱስ ሕያዋይ ጓሳ እዩ። ፍቕሪ ጉስነቱ ንምግላጽ ምእንታናን መስዋዕቲ ከምዘቕረበ ንባባትና የስተምህሩና። “ሕያዋይ ጓሳ ባዕሉ ንነፍሱ በጃ ኣባግዑ ይህብ።” ይብለና። ንሱ ከም ዕሱብ ጓሳ አይኮነነ። ዕሱብ ጓሳ መጀመርያ ንጥቕሚ ነፍሱ እዩ ዝሓስብ በዚ ምኽንያት ተኹላ ምስ ረአየ ሓዲግወን ይሃድም። ሽዑ እተን መጓሰ ይዝረዋን ይሃድማን። አነ ግን ሕይወተይ ምእንቲ አባግዔይ በጃ እህብ ይብለና።

ንሱ ነባግዑ ይፈልጠን፥ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ንመጓሰኡ ይፈልጠን ንሰን ከአ ይፈልጥኦ። ቀጻሊ ርክብ አብ ፍቅሪ ዝተመስረተ አለዎ። እዚ ፍቕሪ አብቲ ኢየሱስ ምስ ሰማያዊ ኣቡኡ ዘለዎ ፍቕሪ ዝተመስረተ እዩ። “ከምቲ አነ ንአቦ ዝፈልጦ ከምኡ ኽአ እቶም ናተይ ይፈልጡኒ። አብ መንጎ ዋና ዝኾነ ጓሳን ዕሱብን ዘሎ ፍልልይ ብሩህ እዩ። ጉስነት ዝፈተና ከም ንፈልጦ ሓልዮት፥ ተገዳስነት፥ ኣብ ጉስነት መሰረታዊ እዩ። ክርስቶስ ጓሳና እዩ ንሱ ሓልዮቱ ፍቕሩ ኩሉ ግዜ ምስ ለገሰልና እዩ። ተጓሲና ክንክእል ናታትና ድለትን ጻዕርን የድሊ። ጉስነት ኣብ ፍቕሪ ክስረት እንከሎ ሽዑ ኩሉ ነገር መስመሩ ሒዙ ይጉዓዝ።

ሓደ ጓሳን ሓደ መጓሰን፥ ሕያዋይ ጓሳ ኩሉ ግዜ ንኻልኦት መጓሰ እውን ምስተን ናቱ ክሕውሰን ድላዩ እዩ። ካብዚ መጓሰ ዘይኮና ካልኦት አለዋኒ ሓደ መጓሰ ኸአ ክገብረን እየ ይብል። ናይ ክርስቶስ ምዃንን ኹልና ዝተዋህበ ጸጋ እዩ ኩልና ደቂ ሰብ ነዚ ጸጋ እዚ ናብ ኩሉ ክነብጽሕ ናይ ኩልና ሓላፍነት እዩ። ቤተክርስትያን እዚ እዩ ሓላፍነታን ኹሎም ናብ ክርስቶስ ከምዝመጹ ምግባር። እዚ እዩ ቀንዲ መልእኽቲ ወንጌል። እዚ እዩ ሎሚ እውን ናይ ኩልና አበርክቶ ዝሓትት። አብ ዓለም ናብ ምልዮናት ዝቑጸሩ ጩራ ወንጌል ዘይበጽሖም አለዉ። አብ ሕይወቶም፥ ቅሳነት፥ ሓጎስ፥ ሰላም፥ ዝደልዩ ጣዕሚ ትንሣኤ ክርእዩ ዝግብኦም ብዙሓት አለዉ። ገለ ኽአ ንክርስቶስ ዝረኸብዎ ግን ጣዕሚ ዓለም፥ ሃብቲ ዓለም ንልቦም ካብ ክርስቶስ ዝሰለቦም አለዉ። አብ ከምዚ ኩነታት ዝርከቡን ክርስቶስ ክነጽጉ አይሽግሮምን ንወንጌል ንትምህርቲ ቤተክርስትያንን ክሒዶም አብ ሓሸውየ ይነብሩ። ቅ. ዮሓንስ ዓለም ስለዘይተቐበለቶ ንአና እውን ክትነጽገና እያ ይብል። እዚ ንሕና ከም ሓቂ ክንቅበሎ ኣሎና። ገለ እዋን ምስ ኩነታትና ክንርእዮ ከሎና ምርድኡ ክአ ብየና እዩ ግን ክንቅበሎ ኣሎና።

ወላ እኳ ብቐረባ ናብ መድሓኒናን ጓሳናን ጥቡቕ ርክብ ይሃልወና ኩሉ ግዜ ሰባት ክኽሕዱና ከዋርዱና እዮም። ብዝያዳ ዘገርም ከአ ብዛዕባ ክርስቶስ ኩሉ ጽቡቕ ኩሉ ዘስትምህሩ ኣብ መንጉኦም ፍልልይን ጽልእን ክርኤ እንከሎ እዩ። ኣብዚ እዋን ካብ ኩሉ ብዝያዳ ዝድለ ዘሎ ኩሎም ደቂ ሰብ አብ ሓደ መጓሰ ክአትዉ ግድነት ዝኾነሉ ግዜ በጺሕና አሎና። ሓቀኛ ምስክርነት የድሊ አሎ። ነዚ ክንገብር አብቲ ሓቅን ፍቕርን ኣብኡ ጥራሕ ዝርከብ ኢየሱስ ክንቅበሎን ክንቀርቦን ይግብአና።

ኢየሱስ ሓደ ዝገደዶ ዘይብሉ ብገዛእ ፍቓዱ ሕይወቱ ምእንቲ አባግዑ በጃ ሂቡ። እዚ እዩ እቲ ዝዓበየ ፍቕሪ ብሞት ዝግለጽ። ምእንቲ ኻልእ በጃ ምዃን ዝለዓለ ፍቅሪ እዩ። እዚ ብናይ ዓለም አተሓሳስባ ክትርእዮ ከሎኻ ፍሽለት እዩ። ብዙሓት አብ መስቀል ክመውት ምስ ረአይዎ ርእሶም እናነቕነቑ ተገሪሞም ዝተወድኤ መሲልዎም። ንሱ ባዕሉ ተፈጺሙ ኢሉ። እንተኾነ ንአኡ ካልእ ትርጉም አልኦ። ከምቲ ጵጥሮስ አብ ግ.ሓ. 4፥8~12 ነቶም ዝሰምዕዎ ዝነበሩ አይሁድ ዝበሎ እቲ ነደቕቲ ዝንዓቕዎ እምኒ ርእሲ መአዝን ኮነ ዝበሎ ክርስቶስ ሞቱን ዓለም ሕስረት ንአና ድሕነት አምጽአልና፥ ትርጉም ሞት ኢየሱስ ክትርዳእ መጀመርታ ናቱ ክትክውን ብእምነት ክትዓቢ የድሊ።

ሎሚ ብዓለም ድረጃ መዓልቲ አደታት እዩ ብፍሉይ ምስ አደታት ክህልወና ዘለዎ ዝምድና እንሓስበሉን ብፍሉይ ጸሎተ ቅዳሴ ንኹልኽን ኣሓትና እንዝክረሉን፥ ፍሉይ ክብሪ እንህበሉን ዕለት እዩ። ኣደ ኣብ ሕይወት ደቂ ሰብ ኩሉ እያ። ኣደ ንሰብአይ ህያብ ኣምላኽ እያ። ፍጥረት ሰብ ብህያብ ኣደ ተጀሚሩ። እግዚኣብሔር ክህብ እንክሎ ፍቕሩ እዩ ዝህብ። ኣብ አምላኽ ምሃብ ናይ ሕይወት ምክፋል የስምዕ። ኣደ እምብአር ሕይወት እያ። ኣደ ድሕሪ ዘየላ ሕይወት ጣዕሙ ይጠፍእ ስለዚ አዲኡ ዝሞቶቶ ቆልዓ ዘኽታም ንብሎ ዝኽትምና አደ ፍሉይ ስንብራት አልኦ ዝኽትምና አቦ ክትጾሮ ይክአል እዩ ዝኽትምና አደ መሪር ስንብራት አልኦ። አደ ተስፋ ብርሃን እያ። ጣዕሚ ኣደ ኣብ ሕይወት ስድራ እዩ ዝርኤ። አብ ዓለም ብዙሓት ደረፍቲ ንፍቕሪ ኣደ ብዝተፈላለየ መንገዲ ይገልጽዎ።

ብዓል አደታት ክንብል ከሎና ከም ክርስትያን መጠን ተራ አደ ኣብ ክርስትያናዊ ሕይወት፥ ኣብ ልምዓት ሕብረተሰብ፥ ኣብ ኩሉ ተራ አደ ክንርኢ ይደፍአና። ትንሣኤ ክርስቶስ እቲ ዝዓበየ ምስጢር እምነትና መጀመርያ ብደቂንስትዮ ተበሲሩ። ክርስቶስ አብቲ ጽንኩር እዋን ሞቱ ብዙሓት ዘሰነየኦ አደታት እየን። አብ ስብከቱ አብ ጎኑ ዘገልግላ ዝነበራ ብዙሓት አደታት ከምዝነበራ ንርኢ። ክርስትና ክዓቢ ዝኽአለ ብዙሓት አደታት ስለዝተሰየፋሉ እዩ። ማርያም አደ ክርስቶስን ቤተክርስትያንን መሪሓ ነታ ቀዳመይቲ ማሕበር ተስፋ ኮይናታ። ቤተክርስትያን አብ ትሕቲ ጽላል ወላዲት ዓብያ። ብሓጺሩ ተራ አደታት ዓቢ እዩ። እዚ ንናይ ሎሚ አደታት ፍሉይ ጦብላሕታን መልእኽትን አልኦ።

እዚ ካብ ኮነ ሕርየትክን ናይ ሎሚ አደታት ከመይ ክትኮና ይግባእ፥ ክብሪ አደ ቅድስቲ ክትከውን እንከላ እዩ። ፈሪኀእግዚአቢሔር ክትለብስ እንከላ። ናይ ሎሚ አደታት ነዛ ጭንቀት ዝመልአ ዓለምና ብብዙሕ ክትቅይርአ ትኽእላ ንብቐትሩ ዝዓረቦ ብርሃን ክትኮና እትኽእላ ንስኽን ኢኽን። ንብዓትክን ጸሎትክን ምሕረት አምላኽ የወርድ እዩ። ገዛ ሰባት ዝፍቶ ኣደ ጥዕምቲ ምስ እትኸውን ጥራሕ እዩ። ሕሱም አቦ ብሕያወይቲ ኣደ ክቕየር ይኽእል። ቅ. ሞኒካ ናይ እዚ አብነት እያ። ብትዕግሥታን ጸሎታን ብዓል ኪዳናን ወዳ ቅ. አጎስጢኖስ ናብ ቅድስና መአዲ ከምዝሳተፉ ገራ። ናታትክን ሕይወት ንአና አካልክን ምልአት ይህቦ ሽዑ ፍሉይ ትርጉም ሕይወት ክነስተማቕር የኽእለና።

ኣብ ኩሉ ምናዳ ኽአ ኣብ ስደት ዘለዋ ቝምስናታት እትርከባ አደታትና ኣብ ኩሉ እትገብሮኦ አበርክቶን ጥርናፈን፣ ተሳትፎኽን ኣብ ምስጢራትን ኣብ ኩሉ ሕይወት ቁምስናታት እትገብርኦ ተሳትፎ ኩልና እንምስክሮ ሓቂ እዩ። ንስኽን ብዝያዳ ክትብርትዓ ከሎኽን ንሕና ንብርትዕ ንስኽን ክትደኽማ ከሎኽን ከአ ንደክም። ንስኽን ክዳን ቁምስና ኢኽን። ሰብ ክብረቱ ኣብ ክዳኑ እዩ ክዳን መለክዒ ክብሪ ሰብ ይኸውን አደታት ከኣ ክዳናን ክብረትናን ኢኽን። ነዚ ከቢድ ሓላፍነት ንምስክርነት ተፈጥሮኽን ዝኾነ ሎሚ ክትምስክርኦ ዕለቱ እዩ።

ብክርስቶስ አሓተይ ከመሎኽን ኣብ ክርስትያናውን ኣብ ሓዋርያውን ሕይወትክን ነቲ ክትኮንኦ ዝግብአክን ትኾና ዘሎኽን። ንጉዕዞ ሕይወት ትመርሕኦ ዘሎኽን። ንስኻትክን ብርሃን ዓለምን ጨው ምድሪን ኢኽን። መግቢ መቐረት ክህልዎ ጨው የድልዮ ሕብረተሰብ መቐረት ክህልዎ አደታት ኣበርክትኤን ክዓቢ አለዎ። ሎሚ ሓላፍነትክን ብዝያዳ እትለብሳሉ ዕለት እዩ። አብ መአዲ ክርስቶስ ብቕድስና ክትቀርባ ሓጢኣትክን ብንስሓ ክትሓጽባ፥ ቅዱሳት ክትኮና። ከም ማርያም መግደላዊት ንዝተንሥኤ ክርስቶስክ ትረኽብኦ። አብ ገዛኽን አብ ሓዳርክን ክትሰብክኦ ሽዑ ብስራት ትንሣኤ ንኹሉ ክትነግራ። ሎሚ ንሕና አሕዋትክን ፍሉይ ሓጎስ ይስምዓና ምኽንያቱ ንስኽን ነቲ አምላኽ ዝሃበክን ጸጋ ለቢስክን ኣብ መአዲ ጉስነት ቁምስናኽን ብዝያዳ ወፊርክን ስለዘሎኽን። ናታትክን ምስክርነት ወንጌል ጨው ቁምስናና እዩ።

አደ ኩልና ብፍሉይ ንአኽን መራሒት ኣደኽን ማርያም አደ መድሓኒና በዚ ፍሉይ ዕለት ጽላላን ረድኤታን ሓለውአን አይፈለኽን መምህርክን ክርስቶስ ብጸጋ ትንሣኤኡ ዓቂቡ ቅዱስ ሕይወት የልብስክን። መብራህቲ ገዛኽን ኮንክን ፍቕሪ መለለይኽን፥ ምሕረትን ሕድገትን አብ ኩሉ እትምስክራ ይግበርክን።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ







All the contents on this site are copyrighted ©.