2009-05-12 14:35:13

ናይ ሰላምን ምክብባርን ምቅብባልን መንፈስ ዘስረጸ ሓዋርያዊ ዑደት ቅዱስ ኣቦና


ኣብ ዮርዳኖስ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ዒራቓውያን ማኅበረ ክርስትያን ብዝግበረሎም ሓልዮትን ብዝወሃቦም ሓገዝን ሕጉሳት ምዃኖም ተገሊጹ። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ዮርዳኖስ ኣብ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዘስምዕዎ መደረ ነዞም ተመዛበልቲ ክፍሊ ማኅበረሰብ ዘተባብዕን ዝድግፍን ዘጸናንዕን ከምዝነበረ ተጠቒሱ። ኣብ’ዚ መደረ’ዚ ብቅዱስ ኣቦና ዝቐረበ ጻውዒት ንተመዛበልቲ ዒራቓውን ማኅበረ ክርስትያን ኣብ ዮርዳኖስ ኣዚዩ ከምዘሐጐሶም ክንገር እንከሎ ኣብ ዒራቅ ናይ ባቢሎን ከለዳዊት ቤተ ክርስትያን አቡን ብፁዕ ካርዲናል ኤማኑኤል ሳልሳይ ደልይ ምስ ረዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ናይ ቅዱስነቶም ጻውዒት ኣዚዩ ከምዘሐጐሶምን ኣብ ዒራቕ ሰላም ተረጋገጺ ሕዝቢ ዒራቕ ካብ ስደትን መከራን ክናገፍ ሰላም እውን ክወርድ እጽሊ ዝበልዎ ቃል ከምዝመሰጦምን፣ ቃል ቅዱስ ኣቦና ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ክረጋገጽ ዘተባብዕን ዘነቓቕሕን ኣብ ርእሲ ምዃኑ ንምርግጋጽ ሰላም ዓቢ ግደ ዘለዎ ኢዩ ከምዝበሉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ሥርዓት እትኽተል ቤተ ክርስትያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ፉኣድ ጥዋል፤ ኣብ ዮርዳኖስ ኩሉ ዜጋ ናቱ ተራ ዘለዎን ናይ ዓብላልን ተዓብላን መንፈስ ዘይረኣየላ ሃገር ምዃናን፣ እስላምን ክርስትያንን ተኸባቢሮምን ተቐባቢሎም ዝነብሩላን፣ ክርስትያን ማኅበረሰብ ውሑድ ክፍሊ ኅብረተሰብ ክነሱ፤ ውሑድ ምዃኑ ብዙሕ ጸገም ዘይምጻአሉ ምዃኑ ኣብሪሆም። ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘስምዕዎም መደረታት ዝጠቀስዎም ሓሳባት ኩሎም ብሓቂ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ዘነቓቕሕን ምክብባርን ምቅብባልን ዘተባብዕን ኣብ ርእሲ ምዃኑ ነዚ ክሊ ዓቢ ቡራኬ ኢዩ ከምዝበሉ ተሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.