2009-05-12 12:28:44

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ናይ ሩባ ዮርዳኖስ ሓዋርያዊ ዑደቶም ፈጺምም፡


ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል ዓሠርተ ሽዱሽተ አብ ማእከላይ ምብራቅ ዘካይድዎ ዘለዉ ሓዋርያዊ ዑደት ብጽቡቅ አገባብ ይቅጽል ከም ዘሎ ምስኦም ዝተጓዕዙ መራኸቢ ብዙኀን ቫቲካን አፍሊጦም ።

አብ ዮርዳኖስ ዝጀመርዎ ሓዋርያዊ ዑደት ፈጺሞም ብተመሳሳሊ እስራኤል ክበጽሑ ካብ አማን ንተልአቪቭ ከም ዝተሳገሩ ተፈሊጡ። ቅድሚ ንእስራኤል ምንቃሎም፡ አብ ዮርዳኖስ ብናይ ዮርዳኖስ ንጉሥ ዓብደላ ሑሴን ካልአይን ንግሥቲ ራንያን ብልዑል ጋዚ ቢን ጣላል ተሰንዮም፡ አብ’ቲ መድኅኔ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተጠመቀሉ ሩባ ዮርዳኖስ ከም ዝበጽሑ እቶም መራኸቢ ብዙኀን አረዲኦም ።

ሩባ ዮርዳኖስ ንዮርዳኖስን እስራኤልን ዘዳውብ፡ ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ ንዮሓንስ መጥምቅን ንክርስቶስን ዘራኸበሉ ስፍራ ከም ዝኾነ ይዝከር።

አብ ርእሲ’ዚ ቅዱስ አቦና፡ ብናይ አንጾክያ ፓትርያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ግረጎርዮ ሳልሳይን ብናይ ኢየሩሳሌም ፓትርያርክ ብፁዕን ቅዱስን ፉዓድ ጥዋልን ብብዙኃት ምእመናንን ተሰንዮም፡ ኣብቲ ክልተ አብያተክርስትያናት ዝስርሓሉ እምነ መሰረት ከም ዝባረኹ ተገሊጹ።

እምነ መሠረት ቤተክርስትያን ምስሊ ክርስቶስን ቤተ እግዚአብሔርን ከም ዘመልክትን፤ ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ኩለን ማኅበረ ክርስትያን መሠረት ከም ዝኾነ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ጠቂሶም፡ ህዝበ ክርስትያን ኢየሩሳሌም ናይ ዝተፈላለዩ እምነትን ባህልን ሃነጽቲ ድልድላት ክኸኑ ከም ዘተሐሳሰቡ ተነጊሩ።

ቅዱሳን ስፍራታት ማእከላይ ምብራቅ ዝበጽሑ ዘለዉ ናይ እንተ ላዕለ ኩሉ ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል ዓሠርተ ሽዱሽተ ህዝበ ክርስትያን ብጥምቀት አቢሉ ንቤተክርስትያን ከም ዝኣቱ አዘኻኪሮም፡ ምሥጢረ ጥምቀት እምነ ኩርናዕ ክርስትያን ከም ዝኾነ ከም ዘገንዘቡ ክአ ተፈሊጡ አሎ።

አብዚ ንነዊሕ ዓመታት ሰላምን ቅሳነትን ምርግጋጋእን ተሓሪምዎ ዘሎ ማእከላይ ምብራቅ ዝነብር ህዝበ ክርስትያን ኣብ ምሕረትን ዕርቅን ተመርኲሱ፤ ኣብ መንጎ አህዛብ ማእከላይ ምብራቅ ሰላም ምእንቲ ክሰፍን ክርስትያናዊ አስተዋጽኦ ከቅርብ ከም ዝተማሕጸኑ ክአ ተገሊጹ።

እቶም ሰላም ዝገብሩ ንህንጸተ ሰላም ዝሰርሑ ብፁዓን ኢዮም እሞ ሰላም ምእንቲ ክርከብ በብዘለናዮ ምእንቲ ሰላም ንጸሊ ንስራሕ፤ እግዚአብሔር ክአ ልመናናን ምህለላናን ሰሚዑ ሰላም ከውርደልና ኢዩ፤ ብማለት ምስቲ አብ ሩባ ዮርዳኖስ ዝተኸተሎም ህዝቢ ብሓጎስን በተስፋን ከም ዝተፋነዉ ተፈሊጡ አሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.