2009-05-12 12:28:16

ሓዋርያዊ ዑደት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 አብ እስራኤል፡


ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ዮርዳኖስ ዘካይድዎ ዝነበሩ ሓዋርያዊ ዑደት ፈጺሞም ምድረ ተስፋ ተባሂላ ናብ እትጽዋዕ እስራኤል ከም ዝተሳገሩን፡ ኣብ ተልኣቪቭ ናይታ ሃገር ርእሰ ብሔር ሺሞን ፐረስ ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ናታንያሁን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ ሥልጣንን ምዉቅ ኣቀባብላ ከም ዝገበሩሎምን ወኪላት ረድዮ ቫቲካንን ናይ እስራኤል መራኸቢ ብዙኀንን አገንዚቦም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ከተማ ተልኣቪቭ ምስ በጽሑ ኣብ ዝገበርዎ ዲስኩር ከም ዝገለጽዎ፡ ኣብ ቅዱሳን ሰፈራት ክጽሊ መጺኤ ኣለኹ። እዚ ዘዕርጎ ፍሉይ ጸሎት’ዚ አብ ቅድስቲ ከተማ ኢየሩሳሌምን አብ መላእ ዓለምን ሰላም ምእንቲ ክሰፍን ኢዩ።

ቀጺሎም ክአ ኩሎም ሰበ ሥልጣንን ናይ ፖሊቲካ ሓላፍነት ዝተሸከሙ ሰባትን ኣብ መንጎ እስራኤላውያንን ፍሊስጤማውያንን ፍትሓዊ ሰላም ምእንቲ ክወርድን ክልቲኡ ኣህዛብ ብሰላም ምእንቲ ክነብርን መስርሕ ሰላም ክጅመር አተሐሳሲቦም።

ኣብዚ ጥንታዊ ኣከባቢ’ዚ ምርግጋእን ሰላምን ክርከብ ተስፋ ከም ዝገብሩን ምእንቲ’ዚ ክአ ከም ዝጽልዩን ገሊጾም።

ቅዱስነቶም፤ ናይ ቅድስቲ ከተማ ኢየሩሳሌም ጳጳሳትን ካህናትን፡ ርእሰ ብሔር እስራኤልን ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ናታንያሁን ካልኦት ናይ መንግሥትን ሲቪልን ሰበሥልጣን ኣብ ዝተረኽብሉ ዘስምዕዎ ዲስኩር ፈጺሙ። ካብዚ ብምቅጻል አብዚ ሒዞምዎ ዘለዉ ሓዋርያዊ ዑደት እስራኤል፡ ናይቶም ብናዚ ጀርመን ዝሃለቁ ሽዱሽተ ሚልዮን አይሁድ ቤተ መዘክር ያድ ቫሸም ከም ዝበጽሑን ‘ወዲ ሰብ ከምዚ ዝአመሰለ ተወዳዳሪ ዘይብሉ ገበን ምእንቲ ከይርእን ከይፍጸምን’ ከም ዝጸልዩን ገሊጾም።

አብ ልዕሊ’ዚ፤ ዝኾነ ጸረ ሰማዊ ተርእዮ ብጥብቂ ከም ዝውግዙን፡ አብ ዝኾነ ይኹን ቦታ ክግታእ ከም ዘለዎን ጠቂሶም። አብ ልዕሊ ዝኮነ ይኹን ህዝቢ ወይ ዓሌት ዝግበር ኣድልዎ ብቅጽበት ተዀኒኑ ክቝጸ ከም ዝግባእ አተሐሳሲቦም።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አተሐሒዞም፡ ንክርስትያን ነስላምን ነይሁድን ቅድስቲ ዝኾነት ከተማ ኢየሩሳሌም ናይ ሰለስቲኤን ሃይማኖት ነጋድያን ምእመናን ብነጻ ክንቀሳቀሱ ክኽእሉ ተስፋ ከም ዝገብሩ አረዲኦም፡ መንግሥቲ እስራኤል ጸጥታ ብማለት ምንቅስቃስ ከም ትግድብ ዝዝከር ኢዩ።

ነቲ ኣብ እስራኤልን ርእሰ ምምሕዳር ፍሊስጤምን ዝነብር ንኡስ ማኅበረሰብ ክርስትያን ከም ዝገለጹሉ፡ ህልውና ማኅበረ ሰብ ክርስትያን ኣብ ቅዱስ መሬት፣ ቅዱስ መጽሐፍ አብ ምስፋን ሰላም ዓቢ ጊደ ከም ዘለዎን አብ ምክብባር ሕድሕድ ዝተመርኮሰ ሰላማዊ ፍትሐዊ ናብራ አብ ምንባር ከቅልብን ምእንታኡ ክሰርሕን ተላብዮም።

ኣብ መወዳእታ ናይ መንግሥቲ እስራኤል ርእሰ ብሔር ሺሞን ፐረስ አብ ዘስምዕዎ ዲስኩር ሓዋርያዊ ምብጻሕ እስራኤል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ተልእኾ ሰላም ከም ዝኾነን አብ መንጎ ክርስትያን እብራውያንን ሓሳብ ንሓሳብ ክለዋወጡን ክዝትዩን ዘበረታዕ ከም ዝኾነን፤ አብ እስራኤል ንዝነብሩ ንሐደ እግዚአብሔር ንዝጽልዩ ዝተፈላለዩ ማኅበረሰባት ዘሔጉስ ምብጻሕ ምዃኑ ጠቂሶም። እስራኤል ምስ ምስርን ዮርዳኖስን ሰላም ከም ዝገበረትን ምስ ህዝቢ ፍሊስጤም ሰላም ክትከውን ምስኡ አብ ናይ ሰላም መስርሕ ተጸሚዳ ከም ዘላን አረዲኦም።

ጀሩሳለም ፖስት ዝተባህለ ብቋንቋ እንግሊዝ ዝሕተም ጋዜጣ፦ ሓዋርያዊ ምብጻሕ እስራኤል ላዕላዋይ ሐላፊ ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል ዓሠርተ ሽዱሽተ ንመዋዕል ዝኸውን ታሪኻዊ ፍጻሜ ክብል ከም ዝሰየሞ ኪምልከት ከሎ፡ እቲ ህቡብ ዕለታዊ ጋዜጣ እስራኤል ሃረጽ ክአ ነቲ ሓዋርያዊ ዑደት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ‘mission possible’ ‘ዝክአል ተልእኮ’ ከም ዝሰየሞ ካብ ተልኣቪቭ ዝመጸ ዜና ሓበሬታ ሂቡ አሎ።







All the contents on this site are copyrighted ©.