2009-05-09 14:19:35

ኢጣሊያ፣ ዘይ ሕጋውያን ስደተይናታት


ኢጣሊያ ንስደተይናታት እትኽተሎ ኣተኣላልያ ኣግባብ ዘሰክፍ ምዃኑ ሕቡራት መንግስታት ዓለምን ቤተክርስትያንን ከምዝገለጹ ክፍለጥ እንከሎ፣ ናይ ኢጣሊያ ናይ ውሽጢ ጉዳይ ሚኒ. ሮበርቶ ማሮኒ ኢጣሊያ ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ንምዕጋት እትኽተሎ ሓድሽ መስርሕ ኢዩ እንክብሉ ትማሊ ብዛዕባ እቶም ናብ ሊቢያ ክምለሱ ዝተገብሩ 227 ዘሕይሕጋውያን ስደተይናታት ጉዳይ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሕበሩን፣ እዚ ውሳኔ’ዚ ናይ ኢጣሊያ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ጉዳዮም ከየጻረኻ ጃምላዊ ውሳኔ ምሃብ ጌጋ ምዃኑን ስለዚህ ጉዳዮም ሓደ ብሓደ ክጻረን መሰልን ግቡእን ክኽበረሎም ኣለዎ እንክብል፣ ሕቡራት መንግሥታት እውን ነቲ ናይ ኢጣሊያ ውሳኔ ከምዝተቓወሞን ክፍለጥ እንከሎ፣ ኣብ ኢጣሊያ ንናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ላዕለዋይ ድርገት ወሃቢት ቃል ላውራ ቦልድሪኒ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርኦ ቃለ ምልልስ፣ ኢጣሊያ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ናይቲ ናይ ጀነቭ ናይ መሰልን ፍቓድን ውዕልን ብፍላይ ድማ ኣብ ዓንቀጽ 51 ዘሎ ውሳኔ ብኻልእ መዳይ እውን ናይቲ ዓለም ሓቆፍ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝምልከት መሠረታዊ ሕጊ ዝግህስ ኢዩ ቢለን፣ እዚ ማለት ድማ ካብ ዝተፈላለዩ ሓደጋታት ክናገፉ ናይ ፖለቲካ ዕቑባ ዝሓቱን ካልኦት ብዝተፈላለዩ ምኽንያት ንስደትን ምዝንባልን ዝዳረጉን ሓለዋ ዘድልዮም ሰባት ጉዳዮም ከየጻረኻ ኣብ ልዕሊኦም እዚ ዓይነት ውሳኔ ምውሳድ ዘሕዝን ኢዩ፣ ስለዚህ ኢጣሊያ ናይቲ ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝምልከት መሰረታዊ ሕጊ ካብ ምኽባሩ ናብ ምግሃሱ እያ እተምርሕ ዘላ እንክብላ፣ ኣብ ኢጣልያ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ሓዋርያዊ ኖልዎ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ኣመሓዳሪ ኣባ ጃንሮማኖ ኜሶቶ ብዛዕባ እዚ ኢጣልያ ዝወሰደቶ ውሳኔ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ኢጣሊያ ዘይ ሕጋዊ ስደተይና ብመሰረቱ ገበን ኢዩ ዝብል እትኽተሎ ሕጊ ክተሕድሶን ክትቕይሮን ኢዩ ዘለዋ፣ ሕክምናን ትምህርትን ዑቕባ ምሓብን ዝኸልእ ኢዩ፣ እዚ ድማ ጸረ ሰብኣዊ ኢዩ፣ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ ሕጋውነት ስደተይና ናብ ዘይሕጋዊ ስደተይና ኵነት ዝወድቑ እውን ኣለዉ፣ ነዚኣቶም እውን ዝትንክፍ ኢዩ፣ ኣብ መሬት ኢጣሊያ ዝርከቡ ዘይሕጋውያን ስደተይናታት እውን ኣለዉ፣ ስለዚህ እቲ ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ንምዕጋት ተሓንጺጹ ዘሎ መምርሒ ብድብድቡ ንዅሉ ስደተይና ናይ ግሊ ሕይወቱን ታሪኹን ኣብ ግምት ዘየእቱ ናይ መሰልን ፍቓድን ውዕልን ዝግህስ ጥራሕ ዘይኮነስ ሰብኣውነት ዘይብሉ ኢዩ ከምዝበሉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.