2009-05-09 14:58:30

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ ነፋሪት ንሕቶ ጋዜጠኛታት መሊሾም።


ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16፣ አብ ማእከላይ ምብራቅ ሓዋርያዊ ዑደት ክገብሩ ትማሊ ካብ ቅድሚ ቀትሪ ካብ መንበረ ሓዋርያ ቅድስቲ መንበር ከም ዝነቀሉ ክዝከር ከሎ፡ ከምቲ ልሙድ ካብ ሮማ ንዮርዳኖስ ይጓዓዝሉ አብ ዝነበርሉ ግዜ ካብቶም ምስኦም አብ ነፋሪት ዝነበሩ ጋዜጠኛታት ዝቀረበሎም ሕቶታት ከም ዝመለሱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሐፊ አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ አመልኪቶም።

ቅዱስ ኣቦና አብ ዮርዳኖስ እስራኤልን ርእሰ ምምሕዳር ፍሊስጢኤምን ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት አብዚ አከባቢ’ዚ ሰላም ምእንቲ ክሰፍን ክህልዎ ዝኽእል ጽልዋ ተሐቲቶም ክምልሱ እንከለዉ፦ መጀመርያ ብጸሎት፣ እግዚአብሔር ምእንቲ አብ ማእከላይ ምብራቅ ሰላም ከስፍን ምስ ኩሎም አብቲ ክሊ ዘለዉ ህዝበ ክርስትያን ብሐባር ከም ዝጽልዩ፡ አብ ልዕሊ’ዚ ህዝቢ ማእከላይ ምብራቅ ብኃባር ብሰላም ክነብር ዘኽእሎ ሜላ ክርከብ ንሰብ ጽቡቅ ድላይ ሓደራ ከም ዝብሉ፣ ከም ዝገለጹ ውሃቢ ቃል ቅድስቲ መንበር አረዲኦም።

ቀጺሎም አብ ማእከላይ ምብራቅን አብ ቅድስቲ ኢየሩሳሌምን ዘለዉ ህዝበ ክርስትያን ሞራላዊን ንዋታውን ሐገዝ ከም ዘድልዮም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ከም ዘመልከቱ፡ ምስ ናይ አይሁድን አስላምን መራሕቲ ተራኺቦም ክዝትዩ መደብ ከም ዘለዎም ገሊጾም።

እተን ብአቦና ኣብርሃም ዝምእከላ ሰለስተ ዓባይቲ ሃይማኖታት፤ ማለት ክርስትና ምስልምናን እምነት አይሁዱን አብዚ ዓለም’ዚ ሰላም ምእንቲ ክሰፍን ብኃባር መሳርሒ ሰላም ክኾና ብዚምልከት ጉዳይ ምስ መራሕተን ክዝትዩ ምዃኖም እውን ነጊሮም። እዚ አብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተወልደሉን ዝሞተሉን ዝተንሥኣሉን ሥፍራ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ናይ ሰላምን ዕርቅን ዑደት ከም ዝኸውን እምነቶም ገሊጾም።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 አብ ዮርዳኖስ ርእሰ ከተማ አማን ምስ አተዉ ናይ ቤተክርስትያንን ብናይ ዮርዳኖስ ንጉስ ዓብደላ ካልአይ ቢን አል ሒሴን ዝምርሑ ናይ መንግሥቲ ላዕሎዎት ሰበሥልጣናትን ምዉቅ አቀባብላ ከም ዝገበሩሎም ናይ ቫቲካን ውሀቢ ቃል አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ዝሀብዎ መግለጺ የረድእ።








All the contents on this site are copyrighted ©.