2009-05-09 14:17:28

ሕዝበይ ኣጸናንዑ


ዝመጽእ ረቡዕ ዕለት 13 ግንቦት 2009 ዓ.ም.ፈ. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቤተልሄም ማለት ኣብ’ቲ እስራኤልን ርእሰ ምምሕዳር ፍልስጥኤምን ኣብ ዘዳቡ ክሊ ዝርከብ ሰፈር ተመዛበልቲ ፍልስጥኤማውያንን ኣብ ቤተልሔም ዝርከብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተወለደሉ ቅዱስ በዓቲ ከብጽሑን ነቶም ኣብ ኢዳ ሬፉይጅ ካምፕ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ፍልስጥኤማውያን በጺሖም ከጸናንዑ እውን ኢዩም።

እዚ ሰፈር ተመዛበልቲ ፍልስጥኤማውያን ብብዝሒ ተመዛበልቲ ዘዕለቕልቐን ዝተማልኤ ኣገልግሎት መውሃቢ ዘይብሉ ብሕቡራት መንግስታት ዓለምን ኮነ ብዝተፈላለያ ዘይመንግሥታውያን ማሕበራት ግብረ ሰናይን ዝተፈላለዩ ጻዕርታት ዝግበር እውን እንተኾነ፣ መነባብሮ ተመዛበልቲ ፍልስጥኤማውያን ብዙሕ ገና ዘይተመሓየሸን ኣብ ከቢድ ሽግር ይርከቡ ከምዘለዉን፣ እዞም መላእ ማሕበረሰብ ኣስላምን 14 ስድራ ቤት ክርስትያን ጥራሕ ዝርከብዎም ማሕበረሰብ ተመዛበልቲ ፍልስጥኤማውያን ፍትሒ ክረኽቡን መነባብሮኦም ክመሓየሽ ወትሩ ከምዝሓቱን ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ቤተ ክርስትያን ቆሞስ ኣባ ማጅዲ ስይሪያኒ ሓቢሮም፣ ቅዱስ ኣቦና ጀርመናዊ መበቆል ዘለዎም ብምዃኖም ትርጉም ፈላላይ መንደቕ እንታይ ማለት ምዃኑ ኣጥቢቖም ዝፍፈልጡ ኢዩም፣ ስለዚህ እቲ ኣብዝ ክሊ ዘሎ ፈላላይ መናድቕ ብዝያዳ ከምዝርድእዎ ኣይጠራጠርን ኢ፣ እዞም ተመዛበልቲ ፍልስጥኤማውያን ቅዱስ ኣቦና ንምቕባል ዓቢ ምቕርራባት ጥራሕ ዘይኮነስ ንቕዱስ ጴጥሮስ ዝተውሃበ መፍትሕ ዝገልጽን፣ ብኻልእ መዳይ ድማ ፍልስኤማውያን ተመዛበልቲ ሽግሮም ተፈቲሕሎም ናብ ቤቶም ክምለሱ ዝሓትትን ንቅዱስ ኣቦና ናብዚ መዕቖቢ ስደተይናታት ፍልስጥኤማውያን እንቋዕ ደሓን መጻእኵም ዝብል መልእኽቲ ዘመሓላልፍ ዓበይ መፍትሕ ከም ገጸ በረከት ከቕርቡ ኢዩም ከምዝበሉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.