2009-05-07 13:19:17

ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ

 


ዕለት 6 ግንቦት 1527 ዓ.ም.ፈ. ቤተ ክርስትያንን ር.ሊ.ጳ. ክለመንት ሻብዓይን ንምክልኻል ንዝወደቑ 147 ኣባላት ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ንምዝካር ትማሊ ኣብ ባሲሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝመርሑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶተ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፣ ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ጽኑዓትን ቅኑዓትን ንቅድስቲ መንበር ዘለዎም ተኣማንነትን ፍሉይ መለለይኦም ከምዝኾነን ጠቒሶም ኣገልግሎቶም ጸሎትን ወፈያን ዝሓትት ኢዩ ከምዝበሉ ተገሊጹ።

ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ኣገልግሎቶም ብጸሎት ኣሕይሎም ክነቕሑን ናይ ፍቕሪ ኣገልግሎት እውን ስለ ዝኾነ ወትሩ መብራህቶም ሒዞም ድልዋት ኮይኖን ክርከቡን ሓደራ ቢሎም፣ ጐይታ ክመጽእ ንቑሓት ኮይኖም ዝተረኽቡ ክኸብሩ ኢዮም፣ ኣብ ሕይወቶም ኢየሱስ ክርስቶስ ከቐድሙን ነዚ ንጹሓትን ትሑታትን ዝገብር ጐይታ ከፍቕሩን ምሳኡ ናይ ምንባር ጸጋ ከስተማቕሩን ሓደራ ምስ በሉ እግዚኣብሔር ኣብ ዝፍጽምዎ ኣገልግሎት ትጉሃት ክገብሮም ክጽለየሎም እውን ኣተሓሳሲቦም ኣብ ጸሎት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ወትሩ ህልዋት ኢኹም ከምዝበሉ ተሓቢሩ።

ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ቫቲካን ቀጽሪ ቅዱስ ዳማሶ 32 ሓደስቲ ኣባላት ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ብእምነትን ንር.ሊ.ጳ. ብቕንዕናን ብኣኽብሮትን ኣብ ዘድልየሉ ኣዋን ሕይወትካ ምውፋይ ዝብል ቃል ብምድጋም መሓላ ከምዝፈጸሙ ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.