2009-05-07 14:07:41

ንምስልታት ቅዱሳን ዝውሃብ ኣኽብሮት


ቅ.አ.ር.ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ሮቡዕ ኣብ ቅርዓት ባዚሊካ ቅ.ጴጥሮስ ንዝተአከቡ ሠላሳ ሺሕ ዝግመቱ ምእመናን ሓፈሻዊ ሰሙናዊ መደብ ትምህርተ ክርስቶስ ከምዘቕረቡ እንክፍለጥ፣ ቅዱስነቶም ኣብዚ ናይ ትማሊ መደብ ኣስተምህሮ ት.ክርስቶስ ዝገለጹ ብዛዕባ ኣብ ሻምናይ ዘመነ ክርስትና ዝነብር ዝነበረን ብዛዕባ ኣኽብሮት ቅዱሳን ምስልታት ብሰፊሑ ዝጸሓፈን ዘስተምሃረን ዓቢዪ ሊቅ ስነ መለኮት ቅ.ዮሓንስ ዳማሸኖ እንክኾን ነቲ ጽባሕ ዓርቢ ዕለት ሾሞንተ ግንቦት 2009 ዓ.ም. ፈ ናብ ቅ.ሃገር ክገብርዎ ዝኾኑ ሓዋርያዊ መገሻ ዘኪሮም እውን ንሕዝብታት ዮርዳኖስን እስራኤልን ፍልስጤምን ኣብ ሞንጎኦም ክርከቡ ዓቢዪ ሃረርታን ህንቅው ትጽቢትን ከምዘለዎም ገሊጾም እግዚኣብሔር ጸሎቶምን ልመናኦምን ሰሚዑ ንቅ.ሃገር ሰላሙ ከውርደላ ከምዝምነዩ ኣረጋገጹ።

ቅ.አ.ር.ል.ጳጳሳት ኣስተምህሮኦም ብምትሕሓዝ ቅ.ዮሓንስ ዳማሸኖ ኣብ ሞንጎ ስግደትን ኣኽብሮትን ዘሎ ፍልልይ ካብ ዘንጸሩ ሰባት ሓደን ቀዳማይን ከምዝኾነ ጠቒሶም እዚ ቅዱስ ዘንጸሮ ፍልልይ ነቶም ኣብ ብሉይ ኪዳን ዘሎ ጽኑዕ ሕጊ ምኽልካል ምጥቃም ምስልታት ኣብ ኣምልኾ ዝሕልዉ ሰባት ክርስትያናዊ ምላሽ ንምሃብ ኣዚዩ ከምዝጠቐመ ኣመልኪቶም እዚ ካብ ኣምልኾ ምጥቃም ምስልታት ምሉእ ብምሉእ ዝእግድ ኣይሁዳዊ ትውፊት ኣብ እስላማዊ እምነት እውን ተቐባልነት ከምዘለዎ ኣዘኻኸሩ። ብኻልእ ወገን ክርስትያን ነዚ ሕቶ እንደገና ኣብ ግምት ኣእትዮም ከምዝሓሰቡን ምስልታት ንምኽባር ብቑዕ ምኽንያት ከምዝረኸቡን ገለጹ።

ቅዱስነቶም ነዚ ከረድኡ ቅ. ዮሓንስ ዳማሸኖ ካብ ዝብሎ ክጠቅሱ ከለዉ፡- ምናልባት ዕፀ መስቀል ሠለስተ ሳዕ ዝተቀደሰ ዕንጨይቲ ወይ ድማ ነገር ኣይኮነንዶ? እቲ ቀለምን ቅዱስ መጽሓፍ ወንጌልንከ ግዙፍ ነገራትዶ ኣይኮኑን? እቲ እንጀራ ሕይወት ዝዕድል ወይ ድማ ዘካፍል ናይ መስዋዕቲ ታቦትከ ግዙፍ ነገር ኣይኮነንዶ? ቅድሚ ኩልኸ እቲ ሥጋን ደምን ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ግዙፍ ነገርዶ ኣይኮነን? እሞ ብሓቂ እቲ ኩሉ ናይዞም ኩሎም እተጠቕሱ ነገራት ቅዱስ ባህርይ ክዕበጥዶ ይግባእ? ብምባል ዝጸሓፎ ዘከሩ።

ቅ.አ.ር.ሊ.ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ኣስተምህሮኦም ብምስፍሕፋሕ እዚ ሓዲሽ ኣመልኻኽታ ዓለምን ክዉንነት-ነገራትን ዝተገልጸ ክርስትያን እግዚኣብሔር ብምሥጢረ ሥጋዌ ሥጋ ብምልባሱ ግዙፍ ነገር ከም ማኅደር ኣምላኽ ተቐዲሱ ኢዩ ቢሉ ስለ ዝኣምን ኢዩ፣ እግዚኣብሔር ሥጋ ኮይኑ እቲ ሥጋ ድማ ክብሩ ኣብቲ ሰብኣዊ መልክዕ ገጽ ክርስቶስ ዝንጸባርቕ ብእውነት ማኅደር ኣምላኽ ኮይኑ።

ምእንት’ዚ ግዙፍ ነገር ኣብ ምሥጢረ ሥጋዌ ዝተቐበሎ ዓቢይ ክብሪ ብምግማት ናይዚ ምሥራቃዊ ሊቅ ትምህርቲ ሎሚ’ውን ኣዚዩ እዋናዊ ኢዩ፣ ግዙፍ ነገር ብእምነት ምሥጢረ ሥጋዌ ርክብ እግዚኣብሔርን ሰብን ዝእምር ብቑዕ ምልክት ወይ ድማ ምሥጢር ይኸውን ቢሎም ድሕሪ ምርግጋጽ ቅ.አ.ር.ል.ጳጳሳት ቅ. ዮሓንስ ዳማሸኖ ኣብ ልዕሊ ምሥጢረ ሥጋዌ ዝተገልጸ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ከምዘስተንትን ከብርሁ ከለዉ፡- ብነፃ ድላይ እግዚኣብሔር ኣብ ሰብኣዊ ባህርይ ዝወረደ ቁስልን ምኽንያት ፍልልይን ዘይምኅባርን ዝኾነ ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ሰብን ኣብ ግምት ክነእቱ ከሎና ተዮሎጊ ቅ.ዮሓንስ ዳማሸኖ ዘስተውዕሎ ሓቂ ግሉጽ ኣገዳስነት ኣለዎ እዚ ማለት ከኣ እቲ ሕያውነትን ጽባቔን ኣምላኽ ዝንጸባረቐሉ ብጌጋናን ኃጢኣትናን ዝቖሰለ ባህርይ፡ ወልደ እግዚኣብሔር ኣብ ሥጋ ብምኅዳሩ ክጸንዕን ክሕደስን ግቡእ ይከውን ቢሎም ቅዱስ ኣቦና እንደገና ካብ ትምህርቲ ቅ.ዮሓንስ ዳማሸኖ፡- ባህርይ ክጸንዕን ክሕደስን ከምኡ ድማ ሞት ኣጥፊኡ ናብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ዝመርሕ መንገዲ ጸጋ ክሕበርን ብጭቡጥ ክመሃርን ኣድልዪ ነይሩ፡ ምእንት’ዚ ከኣ ኣብ ኣድማስ ታሪኽ እግዚኣብሔር ንሰብ ዘለዎ ዓቢይ ናይ ፍቕሪ ባሕሪ ተርኣየ፣ ዝብል ጠቒሶም እዞም ዘደንቑ ምስልታት ዝሓዙ ቃላት ካሳብ ክንደይ ልቢ ምእመናን ከጸናንዑን ከደስቱን ከምዝኽእሉን ምግማት ንኽእል ቢሎም ንሕና’ውን ሎሚ ነዞም ቃላት እዚኦም ኣብ ናይ ቀዳሞት ክርስትያን ስምዒት ብምስታፍ ንሰምዖም፡ እግዚኣብሔር ኣባና ኃዲሩ ንሕና ብንገብሮ ለውጢ ንባህርይ ከሕድስ ኣብ ቅድስናኡ ከሳትፈና ይደሊ። እግዚኣብሔር ኣብ ሕይወትና ነዚ ትምህርቲ’ዚ ኣስተውዒልና ክንዕቅቦ ይሓግዘና ብምባል ቅ.አ.ር.ሊ. ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ትምህርቲ ቅ.ዮሓንስ ዳማሸኖ ተመርኵሶም ምሥጢረ ሥጋዌ ንግዙፍ ነገር ቀዲሱዎ ስለ ዝኾነ ንቅዱሳን ምስልታት ኣኽብሮት ምሃብ ቅኑዕ ከምዝኾነ ዘረድኡሉ ናይ ትማሊ ሮቡዕ ሓፈሻዊ መደብ ትምህርተ ክርስቶስ ዛዘሙ።

ድኅሪ ምዛዛም ኣስተምህሮኦም ድማ ቅ.አ.ር.ሊ. ጳጳሳት ነቶም ጽባሕ ዓርቢ ክቕበሉዎም ዝሸባሸቡ ዘለዉ ሕዝብታት ዮርዳኖስን እስራኤልን ፍልስጤምን፣ “ናባኹም ናይ ሰላም ነጋዲ ኮይነ ክመጽእ ኢየ ምእንቲ ሰላም ክትረኽቡ ድማ ክጽሊ ኢየ ተስፋታትኩምን ሃረርታኹምን ከምኡ ድማ ስቓያትኩምን ግድላትኩምን ምሳኻትኩም ኣብ ሞንጎኹም ተረኺበ ንምስታፍ ዓቢይ ሃንቀውታን ትጽቢትን ኣሎኒ፣ ቀዳምነት መደብ መንፈሳዊ መገሻይ ብሕይወት ኢየሱስ ዝተቐደሱ ቦታታት ምብጻሕን ኣብኡ ምእንቲ ጸጋ ሰላምን ሓድነት ስድራታትኩምን ጸሎት ምግባር ኢዩ፣ ምስ መንፈሳዊያን መራሕቲ ማኅበረ ሰባት ኣስላምን ኣይሁድን ተራኺበ ሃይማኖተ ባህላውያን ዘተታት ኪገብር ኢየ፣ እዚ ሓዋርያዊ መገሻይ’ውን ከምቲ ዝድለ ክቃናዕ ንመንፈሳውን ዓለማውን ሕይወት ነበርቲ ቅ.ሃገር ብዙሕ ፍረ ዝህብ ኪኸውን ጸሎት ግበሩ፡ ብሕያውነቱ እግዚኣብሔር ይመስገን፡ ሰብ ተስፋ ይግበርና ኩልና ድማ ሰላም ንምስፋን ንትጋህ” ብምባል ፍሉይ መልእኽቲ ኣመሓላለፉ።







All the contents on this site are copyrighted ©.