2009-05-07 15:43:56

ናይ ማኅበራዊ ሳይንስ ጳጳሳዊ አካዳሚ ጉባኤ ተፈጺሙ፡


እቲ ኣብ ቫቲካን ክካየድ ዝቀነየ ናይ ማኅበራዊ ሳይንስ ጳጳሳዊ ኣካዳሚ መበል ዓሠርተ ሓሙሽተ ዓመታዊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ከም ዝተዛዘመ ተነጊሩ።

እቲ ጉባኤ ማኅበራዊ ትምህርተ ቤተክርስትያንን ሰብአዊ መሰላትን ዘተኮረ ኢዩ ነቢሩ።

ናይ ማኅበራዊ ሳይንስ ጳጳሳዊ አካዳሚ ሊቀመንበር መሪ ኣን ግለንደን ከም ዘመልከትኦ፡ አብ ብዙሕ ኩርንዓት ዓለም መሠረታውያን መሰላት ደቂ ሰብ ክግሃሱ ይርአዩ አለዉ።

መሰል ደቂ ሰባት ከይተዓቀቡ ፍትሐዊ ሕብረተሰብ አሎ ክብሃል ከም ዘይክአል መሪ ኣን ግለንደን ጠቂሰን መሰላት ንምኽባር ብዓለም ለኸ ደረጃ ጐስጓስ ከም ዘድሊ ኣመልኪተን።

እግዚአብሔር ብኣምሳሉ ነጻ ዝፈጠሮ ወዲ ሰብ ብከምኡ ዝኣመሰሉ ሰባት መሰሉ ክግፈፍ ምርአይ ዘሕዝን ከም ዝኾነ ከም ዝገለጻ ካብቲ ጉባኤ ዝተኻየደሉ ቦታ ዝመጸ ዜና አረዲኡ።

ኢየሱስ ክርስቶስ ብሞቱን ብስቅለቱን ብትንሣኤኡን መልእኽቲ ነጻነትን ሓርነትን ፍጥረት ሰብ ከም ዘስፈነ ክአ ሜሪ አን ግለንደን ከም ዘገንዘባ እቲ ዜና ሐበሬታ ሂቡ አሎ።

ሞራል አልቦ ፖሊቲካ ጥዕና ዘለዎ ኅብረተሰብ ክሀንጽ ከም ዘይክእልን አብ ኅብረተሰብ ቅልውላው ከም ዝፈጥርን አብቲ አኼባ ከም ዝተገልጸ ክምልከት ከሎ፡ ህንጸት ሥነ ምግባራዊ ባህሊ ከም ዘድሊ ተመልኪቱ።

ሰብ ማእከል ዘይገበረ ዝኾነ ይኹን ማኅበረሰባዊ ሙያ ፍረ አልቦ ከም ዝኾነ ክአ ተተሐሒዙ ተገሊጹ።







All the contents on this site are copyrighted ©.