2009-05-07 13:55:58

ሓዋርያዊ ጉዕዞ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ቅድስቲ ከተማ ኢየሩሳሌምን ማእከላይ ምብራቅን


ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል ዓሠርተ ሽዱሽተ ጽባሕ ሾመንተ ግንቦት 2009 ዓ.ም.ፈ. ቅዱሳን ስፍራታት ክበጽሑ ካብ መንበረ ሐዋርያ ቅድስቲ መንበር ከም ዝነቅሉን፡ አብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ዮርዳኖስ፣ እስራኤልን ርእሰ ምምሕዳር ፍሊስጢኤምን ከም ዝበጽሑን ተፈሊጡ አሎ።

ሐላዊ ቅድስቲ ከተማ ኢየሩሳሌም፡ ፍራንቸስካዊ ካህን አባ ፒይርባቲስታ ፒዛባላ ሓዋርያዊ ዑደት ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲቶስ ብዚምልከት፡ መግለጺ ከም ዝሃቡ፣ ድሮ አብቲ ቦታ ዝርከብ ወኪል ረድዮ ቫቲካን ሮበርቶ ፒየርማሪኒ አፍሊጡ።

አባ ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ከም ዘመልክትዎ፡ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ርእሰ ጳጳሳት በነዲክቶስ ናብ ኢየሩሳሌም፣ ነቲ አብ’ዚ ቦታ’ዚ ዝርከብ ንኡስ ማኅበረ ክርስትያን ሞራል ዝህብን ዘበረታትዕን ኰይኑ፡ ዓለም ለኻዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንኢየሩሳሌምን፡ ነዚ ኣብዚ እናተሰቃየ ዝነብር ዘሎ ህዝበ ክርስትያንን ክትጥምት ዝጽውዕ ኢዩ። እተን ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣከባብን ዘለዋ ካቶሊካውያን ዘይኮና አብያተክርስትያናት ነዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ቅዱሳን ስፍራታት ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ብኸመይ ከም ዝርእዮኦ ወኪል ረድዮ ቫቲካን ሮበርቶ ማሪኒ ንሓላዊ ቅድስቲ ከተማ ኢየሩሳሌም ፍራንቸስካዊ ካህን አባ ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ሓቲትዎም። ንሶም ከም ዝገለጽዎ ኩለን ኣብያተ ክርስትያናት ነዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ብጽቡቅ ከም ዝርእይዎን ህልውና ማኅበረ ክርስትያን ኣብዚ ክሊ’ዚ አዝዩ አድላዪ ከም ዝኾነ ዘረድእ ስለ ዝኾነ ብኹለን ማኅበረ ክርስትያን ኢየሩሳሌም ተቀባልነት ከም ዘለዎ አገንዚቦም።

ቀጺሎም ከኣ፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ’ዚ ዝተቀደስ ቦታ’ዚ ክርስትያን ጥራሕ ዘይኮኑ እብራውያንን እስላማዊ ማኅብረሰባትን ከም ዝነብሩ ጠቂሶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ናይዘን ማኅበረሰባት ወኪላት ዘካይድዎ ርክብ፣ አብ መንጎ ዝተፈላለየ ሃይማኖታት ምጽውዋርን ምርድዳእን ክህሉ ይሕግዝ አሎም።

ብሰንክ’ቲ ኣብቲ ክሊ ኣብ መንጎ ፍሊስጢኤማውያንን እስራኤላውያንን ንነዊሕ ዓመታት ዝተካየደን ዝካየድ ዘሎን ግጭት ብዙኃት ክርስትያን ናብ ስደት ከም ዘምርሑን የምርሑ ከም ዘለዉን አብ ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ነጊሮም።

መንግሥቲ እስራኤል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኢየሩሳሌም አብ ዝጸንሑሉ ነቲ ናይ ምንቅስቃስ ገደብ ከም ዘልዓሎ ተመልኪቱ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ኣብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተወልደሉን ዝሞተሉን ካብ ሞት ዝተንሣኣሉን ቦታ ክበጽሑ ጥልቂ ሐጎስ ከም ዝስምዖምን እዚ ኣብ’ቲ ቦታ ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ዑደት ናይ ሰላም ናይ ዕርቅን ቅሳነትን ራህዋን ሓዋርያዊ መገሻ ከም ዝኾነ መግለጺ ሂቦም ከም ዘለዉ ይዝከር።

ኣብ’ዚ ጽባሕ ብዮርዳኖስ ዝጅመርዎን ንእስራኤልን ንርእሰ ምምሕዳር ፍሊስጤምን ዝወስዶም ሓዋርያዊ ዑደት ምስ ናይ ኩለን ሃይማኖት ወኪላትን መራሕቲ መንግሥታትን ከም ዝራኸቡ ተፈሊጡ አሎ።

ቅድሚ ሎሚ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻዱሻይን ዮሐንስ ጳውሎስ ካልአይን ቅድስቲ ከተማ ሃገረ ኢየሩሳሌም ከም ዝበጽሑ ዝዝከር ኢዩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.