2009-05-05 16:58:22

ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ማሕበራዊ ትምህርትን ሰብኣዊ መሰላትን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16፣ ነቶም ካብ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብቲ ኣብ ቫቲካን ብጳጳሳዊ ናይ ማሕበረሰብ ሳይንስ መንበረ ጥበብ ሓልዮት ዝተዳለወ፣ ‘ብዛዕባ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ማሕበራዊ ትምህርትን ሰብኣዊ መሰላትን’ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝዝቲ ዘሎ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዝሳተፉ ዘለዉ ተጋባእያን ትማሊ ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም። ቅዱስነቶም ንሰብኣዊ መሰላት ኣማእኪሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ብዛዕባ ብሕይወት ናይ ምንባር መሰልን ናይ ሃይማኖት ነጻነትን ገሊጾም። ቀጺሎም እውን ኣብ ዓለምና ዝርአ ዘሎ ዘሕዝንን ዘሕፍርን ስእነት መግብን ጥሜትን ኮኒኖም። ቀንዲ ሕቶታት ናይ ሰብኣዊ ክብርን መሰላትን ንናይ ቤተ ክርስትያን ማሕበራዊ ትምህርትን ማሕበረሰብን ዘራኽብ ነጥቢ ምዃኑ ኣረዲኦም።

ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ንዝግበር ከይዲ ዝመርሕ ወርቃዊ መምርሒ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕራፍ 7 ፍቕዲ 12፣ “ከምቲ ሰባት ኪገብሩልኩም ትደልይዎ ዅሉ ንስኻትኩም’ውን ከምኡ ግበሩሎም” ዝብል ምዃኑ ሓቢሮም። ሰብ ብኣርኣያን ኣምሳልን እግዚኣብሔር ዝተፈጥረ ስለ ዝኾነ ሰብኣዊ መሰላት ሌላን ጉሌላን ዘይብሉ ንዅሉ ፍጥረት ሰብ ዝምልከት ኢዩ ቢሎም። ካብ ናይ ታሪኽ ጉዕዞ ከምእንርድኦ ወዲ ሰብ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ዘለዎ ርድኢትን ኵላውነቶምን እናዘንግዔ ከምዝኸደ እውን ሓቢሮም። ኣብዚ እዋን’ዚ ወዲ ሰብ ኣብ መንጎ እግዚኣብሔርን ሰብን ዘሎ ናጻ ናይ ፍቕሪ ርክብ ተመሥሪቱ፣ ናይ ኵላዊ መሰል ናጽነት መሠረታዊ ሕጊ ከምዘማዕበለን እንኪገልጹ፣ ከምቲ ኣብታ ቨሪታቲስ ስፕለንደር ‘ዘደንቕ ሓቂ’ ዝተሰምየት ዓዋዲት መልእኽቲ “እቲ ነጻነት ሓራ ክወጽእ ኣለዎ፣ ነዚ ዝገብር ድማ ክርስቶስ ኢዩ” ዝብል ኣብ ፍቕዲ 86 ዘሎ ቃል ጠቒሶም ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፉ ዘመናት ዝተራእዩ ዓበይቲ ውግኣትን ዝተፈጥሩ ዓብለልቲ ሥነ ርዕዮታት ዓለም ዘኸተልዎ ጸገማትን፣ ክትገልጾ ዘጸግም ዘደንጹ እዉን ብተደጋጋሚ ዝተፈጸሙ ገበናት ኣብ ልዕሊ ዘርኢ ሰብ ዘስዓቦ ዓበይቲ ሽግራት፣ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዝተመሥረተ ሓድሽ ዓለም ለኻዊ ስርዓት ክጭብጥ ከምዝገበሮን፣ እዚ ድማ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና እቶም ኣብ ናይ ዓለም ውግእ ተጻባእቲ ዝነበራ ሃገራት ኣብ 1917 ዓ.ም.ፈ ነቲ ናይ ውግእ ሓይሊ ናብ ናይ መሰላት ናይ ግበረ ገባዊ ሓይሊ ምልዋጥ ብዝብል ውሳኔ ብብዙሓት ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበሩ መራሕቲ ዝተወሰነ ናይ ሓባር መገልጺ ዘስዓቦ ከምዝኾነን ኣዘኻኺሮም። እዚ ድማ ወትሩ ክርሳዕ ዘይብሉ ትምህርቲ እዩ። እዚ ሰብኣዊ መሰል ብዅሉ ቅቡልን ኵላዊ ከምዝኾነ ንዘረድእ ሓሳብ መንቀሊ ኢዩ ከምዝበሉ ተገሊጹ።

ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብቲ ሰብኣዊ ክብሪ ኣብ ዝብል ውሳኔኡ፣ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ብሕይወት ናይ ምንባር መሰልን ናይ ሕልናን ሃይማኖትን ነጻነትን ዝብሉ መሠረታውያን መሰላት ክውሰኾ ከምዝገበሩን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣዘኻኺሮም። ሰብኣዊ መሰላት ኣብቲ ገዛእ ርእሱ ንፍጥረት ሰብ ዝገለጸ ክርስቶስ ቃል ብቐጥታ ዘይተገለጸ ስለ ዝኾነ ናይ እምነት ሓቅታት ኢዮም ክበሃል እኳ እንተዘይተኻእለ፣ ካብ እምነት ናይ መረጋገጺ ሓይሊ ከምዝረኸበን፣ በቶም ጽቡቕ ድላይ ዘለዎም፣ ወዲ ሰብ ዝኽተሎ ሃይማኖት ብዘየገድስ ዅሉ ብቐሊሉ ኣፍልጦ ሓይልይዎ ክርድኦ ከምዝኽእልን፣ በቲ ኣብ ኵሉ ሰብኣዊ ፍጥሩ ዘሎ ቃል፣ ኵሉ ሓቅን ሓሶትን ጽቡቕን ክፍእን ፍትሓውነትን ኢፍትሓውነትን ፈልዩ ክርዳእ ከምዝገብሮን፣ እዚ ናይ ምልላይ ብቕዓት እዚ ድማ፣ ወዲ ሰብ ነቲ ኣብቲ ናይ ዘለዓለማዊ ሕጊ ሱታፌ ናይ ዘለዎ ናይቲ ባሕርያዊ ሕጊ ናይ ኣፍልጦ ብቕዓት ክህልዎ ይገብሮ ቢሎም። እዚ ባሕርያዊ ሕጊ’ዚ ድማ ደቂ ሰባት ነንሕድሕዶም ንኽረዳድኡን ንኽፋቐሩን ከምዝሕገዞም ሓቢሮም። ስለዚ ሰብኣዊ መሰል ናጻን ምኽንያታዊ እውን ኢዩ። እዚ ማለት ድማ ምስቲ ዝፈጠሮ እግዚኣብሔር ሱታፌ ኣለዎ ምስ በሉ፣ እዚ ናይቲ ነቕ ዘይብል ሥነ ምግባር መሠረት ከምዝኾነን ብዙሕ ግዜ ናይ ፖሊቲካ ዓለም ሸለል ከምዝብሎን በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ሰብኣዊ መሰል ካብቲ ነቕ ዘይብሉ መሰረቶም ስለ ዝርሕቑ ብቐሊሉ ክገሃሱ ይርአ ከምዝበሉ ተገሊጹ።

ብሓጢኣትን ብጉጉይ ርድኢታዊ ስምዒትን ዝዓወረ ሥነ ምግባር መታን ከይፍጠር ናይ ደቂ ሰባት ብቕዓት ምስትውዓል ወትሩ ብእምነት ክሕደስን ክነጽሕን ኣለዎ ከምዝበሉ ተሓቢሩ።

ሰብኣዊ መሰላት ንዅሉ ፍጥረት ሰብ ዝምልከት ከምዝኾነን፣ ናጽነት ፍጥረት ሰብ ተነቓፊ ስለ ዝኾነ፣ ኵሉ ናይቲ ኣብ እግዚኣብሔር ዝርከብ ፍጹም ፍቕርን ተስፋን የድልዮ ኢዩ። ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላው ዘስዕቦ ዘሎ ማሕበራዊ ጸገማት ዘኪሮም፣ ኩሉ እዚ ማዕርነት ሰብኣዊ መሰል ካብ ምስሓት ከምዝነቕነለ ኣዘኻኺሮም። እቲ ኣብ ዓለምና ተኸሲቱ ዘሎ ስእነት መግብን ጥሜትን ዘሕፍርን ዘስካሕኽን ኢዩ፣ ስለዚ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ምንቕቓሕን የድሊ። እዚ ማለት ድማ፣ ኵሉ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ተጠቃሚ ናይ ምዃን መሰሉ ክኽበረሉን ኹለን ሃገራት ከይተሓለላ ባሕርያዊ ሕጊ ክሕልዋን ከኽብራን ኣተሓሳሲቦም። ኣብ መደምደምታ ዘረባኦም ኣብ ዋጋን ዕዳጋን ዘይኣቱ ባሕርያዊ ሕጊ ኣብ መልእልተ ባሕርያዊ ሕጊ ዝቖመ ኢዩ ከምዝበሉ ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.