2009-05-05 17:00:14

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብ ልዕሊ ደቀባት ካናዳ ዝተፈጸመ ግፍዒ ከም ዘሕዘኖም ገሊጾም፡


ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ ትማሊ ድሕሪ ሮብዓዊ አስተምህሮ ምሀቦም፡ ምስ ናይ ካናዳ ጥንታዊ መበቐል ዘለዎም ማሕበረሰብ ሐለፍትን ምስ ናይታ ሀገር ረኪበ ጳጳሳት ሊቀመንበርን ፣ተራኺቦም ከም ዝተዘራረቡ ተፈሊጡ።

ናይ ቫቲካን መግለጺ ከም ዘመልከቶ፡ ደቀባት ካናዳ ዘሕለፍዎን ዘሕልፍዎን ዘለዉ፡ ስቃይ ብዚምልከት ናይቲ ማሕበረሰብ ወከልቲ ንዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ገሊጾምሎም።

ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ ገለ ገለ ናይ ካናዳ ቤተክርስትያን ናይ ትምህርቲ ተቅዋማት ሐለፍቲ አብ ልዕሊ ደቂ ደቀባት ካናዳ ዘርአይዎ ዘይምጽውዋርን ዓመጽን ከም ዝወቀሱን፡ ብመስረቱ ግን ቤተክርስትያን ካናዳ አብ ጐድኒ ጥንታውያን ደቂ ሀገር ስው ዝበለት ከምኽነት ከም ዘረድኡ እቲ መግለጺ ሐበሬታ ሂቡ።

አብ መወዳእታ 1.800 ዓመተ ምህረት፡ ደቂቶም ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ አብ ካናዳ ዝነብሩ ማሕበረሰባት ፡ ባህሎምን ልምዶምን ቋንቁኦምን ገዲፎም ባህልቶም ካብ ኤውሮጳ ተሰዲዶም ካናዳ ዝአተዉ ጽዓዱ ክምሀሩ ከም ዝተገደዱን ይዝከር።

አብያተ ክርስትያናት ካናዳ ከምኡ ክአ ናይ ካናዳ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃርፐር ብዓሰርተ ሐደ ሰነ 2008 አብ ልዕሊ ደቀባት ካናዳውያን ንነዊሕ ግዜ ዝተፈጸመ ግፍዒ ብወግዒ ይቅሬታ ከም ዝሐተቱ ዚዝከር ኢዩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.