2009-05-05 16:59:09

ሥርዓተ ቃለ መሓላ ሐደስቲ ወተሃደራት ስዊስ አብ ቫቲካን፡


ዝመጽእ ዘሎ ሮቡዕ ሽዱሽተ ግንቦት 23 ሐደስቲ ብጳጳሳዊ ጓርድየ ስቪጸረ ዝፍለጡ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝሕልዉ ወተሀደራት ስዊትጸርላንድ ቃለ ማሕላ ከም ዝፍጽሙ ቫቲካን ዘውጽኦ መግለጺ አመልኪቱ።

አብዚ ስርዓት”ዚ ምኽትል ምምሕዳር ቫቲካን ሊቀጳጳስ ብፁዕ አቡነ ፈርናንዶ ፊሎኒን ብዝሐት ካርዲናላትን ጳጳሳትን አብ ቅድስቲ መንበር ዝተመደቡ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት አምባሳደራትን ብሐፈሻ 600 ሰባት ዝሳተፍዎ ስርዓተማሕላ ከም ዝኾነነ እቲ መግለጺ አረዲኡ።

ብ1527 ሮማ ክትዝመት ከላ በቲ ግዜ”ቲ ንዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክከላኸሉ 147 ወተሃደራት ስዊትጸርላንድ ሕይወቶም ከም ዘሕለፉ ክዝከር ከሎ አብዚ ጥንታዊ ታሪኽ”ዚ ተመርኪሶም ወተሃደራት ስዊስ እነሆ ክሳዕ ሕጂ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ይሕልዉ።








All the contents on this site are copyrighted ©.