2009-04-28 17:12:39

ኣብ ናይሮቢ ብሓዲሽ ተክኖሎጂ መራኸቢ ብዙኀን ዘተኮረ ሰሚናር ይካየድ ከም ዘሎ ተነጊሩ፡


አብ ምብራቃዊ አፍሪቃ አብ ኬንያ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ብናይቲ ዞባ ጳጳትን አብ ቅድስቲ መንበር ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙኀን ጳጳሳዊ ቤት ምኽርን ዝተዳለወ፡ ሓዲሽ ተክኖሎጂ መራኸቢ ብዙኀን ብዚምልከት ሰሚናር ይካየድ ከም ዘሎ ይፍለጥ።

ብሓዲሽ ተክኖሎጂ ዚካየድ መራኸቢ ብዙኀን መሳርሒ ፍትሕን ሰላምን አብ መንጎ አህዛብ ዓለም ዕርቂ ዝዘርእን ዝቅስቅስን ክኸውን ከም ዘለዎ ዝአመተ ሰሚናር ከም ዝኾነ ካብቲ ቦታ ዝመጸ ዜና አመልኪቱ።

አብዚ ሰሚናር’ዚ ሚእቲ ዝኾኑ መንእሰያት ይሳተፉ ከም ዘለው ኪምልከት ከሎ መራኸቢ ብዙኀን ብአፍሪቃዊ ባህሊ ከመይ ክኸውን ከም ዝሐይሽ ይዋስኡ ከም ዘለዉ ተገሊጹ።

አብ’ዚ እዋን’ዚ ዘለዉ ቅልጣፈ በርቂ ዘለዎም መራኸቢ ብዙኀን፡ ንሠናይ ነገር ዝውዕሉሉን ንምስፋን ሰላምን ቅሳነትን ዝነጥፉሉ ኩነታት ሰሚናር ናይሮቢ ይድህስስ ከም ዘሎ፣ እዚ ካብ ናይሮቢ ዝመጸ ዜና አገንዚቡ።

ኣብ ምዕራባዉን ደቡባዉን አፍሪቃ ተመሳሳሊ ሰሚናር ክካየድ መደብ ከም ዘሎን እዚ ካብ ናይሮቢ ዝመጸ ዜና ሓበሬታ ሂቡ አሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.