2009-04-28 17:41:53

ናይ ስኮትላንድ ጳጳሳት ብ‘መደብ መጽናዕቲ ድቂ’ ምሁራን ሳይንስ ከም ዝተሰከፉ ገሊጾም፡


ናይ ስኮትልንድን ቺናን ናይ ሳይንስ ምሁራን፡ ብሓባር ናይ ድቂ ስቲም ሴል መደብ መጽናዕቲ ከካይዱ ዘለዎም መደብ ሥነምግባር ዝጐደሎ ከም ዝኾነ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ናይ ስኮትላንድ ጳጳሳት መግለጺ ከም ዝሃቡ Scottish Catholic Observer ሰሙናዊ መጽሔት አገንዚቡ።

ናይ ስኮትላንድ ቤተክርስትያን ውሃቢ ቃል ከም ዘመልከትዎ ናይ ስኮትላንድ ምሁራን ሳይንስ በዚ ሞራል ዝጐደሎን ውጽኢት ዘይርከቦን መደብ መጽናዕቲ’ዚ ምስ ምሁራን ሳይንስ ቺና ብሓባር ክሰርሑ ተሰማሚዖም ምፍራሞም ዘገርምን ዘተሐሳሰብን ጉዳይ ኢዩ።

ካብ አንጉዕ ዓበይቲ ደቂ ሰባትተወሲዱ መጽናዕቲ ክካየድ ቤተክርስትያን ስኮትላንድ ተቃውሞ ከም ዘይብላ ጳጳሳት ስኮትላንድ ገሊጾም፡ ድቂ ግን ሕይወት ሰብ ስለዝኾነ ንመጽናዕቲ ምስንዳዉ ኢሰብአውነት ከም ዝኾነ ከም ዘመልከቱ፡ እቲ ሰሙናዊ መጽሔት ሐበሬታ ሂቡ አሎ።

ናይ ሳይንስ ምሁራን ከም ዘመልክትዎ እንተኾይኑ፡ ቅንጣብ ድቂ መርሚርካ ሐደገኛ ሕማማት ክትፍውስ ተኽእሎ አሎ ብሃልቲ ምዃኖም ይዝከር።







All the contents on this site are copyrighted ©.