2009-04-28 17:34:33

ሓዋርያዊ ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ግዳያት ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብሩጾ


ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ መደባትና መርሓ ግብር ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ናብ ግዳያት ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብሩጾ አመልኪትናዮ ዝነበርና ቅዱስነቶም ሎሚ ንጋሆ ሰዓት 10.30 ናብ ከተማ ኦና በጺሖም፣ ኩነታት ጠባይ አየር ስለዘየፍቀደ ከምቲ ተመዲቡ ዝነበረ ብሄሊኮፕተር ክኸዱ አይከአሉን። ቅዱስ ኣቦና ከተማ ኦንና ኣብ ዝበጽሑሉ ጊዜ ናይ ላ’ኲላ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ጁሰፐ ሞሊናሪን ሓላፊ ሓለዋ ህዝቢ (ፕሮተስዮነ ቺቪለ) ክቡር ሲኞር በርቶላሶን ናይ ቤተ ክርስያንን መንግሥትን ሰበ ሥልጣናት ምስ ህዝቢ ብሓባር ተቐቢሎሞም። ቅዱስ ኣቦና ምስቶም ብሰንኪ ምንዋጽ መሬት ካብ ቤት ንብረቶም ተዘናቢሎም ኣብ ግዝያዊ ኣብ ተንዳታት ዝነብሩ ዘለው ሰባት ተራኺቦም። ኣብዚ ቃለ ምጽንናዕ ሂቦም፣ ከምኡ እውን ምእንቲ እቶም በዚ ባህርያዊ ሓደጋ ዝሞቱ ጸልዮም። ብድሕሪ’ዚ ናብታ ኣብ ጥቃአ ትርከብ ከተማ ላ’ኲላ ብምኻድ ናብቲ ብ13 ክፍለ ዘመን ዝተሰርሐን ሎሚ ብምንቅጥቃጥ መሬት ዓንዩ ዘሎ ካተድራል ኮለማጆ በጺሖም፣ ኣብ ካተድራል ኮለማጆ እቲ ቅድሚ አርባዕተ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ተሰየሙ ዝተዋህቦም ኣክሚም (ስቶላ) ኣብ ልዕሊ ቅሪት ቅዱስ ቸለስቲኖ ሓሙሻይ ኣቀሚጦም፣ ቅዱስ ቸለስቲኖ ሓሙሻይ ብ1329 ናይ ካትሊካዊት ቤተ ክርስትያን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝነበሩን ብገዛእ ፍቃዶም ካብ ሥልጣነ ርእሰ ሊቃነ ጵጵስና ዝወረዱን ከምዝኾኑ ዝዝከር እዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ላ’ኵላ ዝጸንሑሉ ጊዜ እናተዘዋወሩ ነቲ ብምንቅጥቃጥ መሬት ዝዓነወ ገዛውትን ንብረትን ተዓዚቦም፣ ብድሕሪኡ ናብቲ ካብ ሓምሳ ሺሕ ዘይውሕድ ኣብ ተንዳታት ዝነብር ሕዝቢ ቀሪቦም ነዚ ዚስዕብ ቃለ ምጽንናዕ ሂቦም ሥርዓተ ጸሎት አዕሪጎም፣

‘’ዝኸበርኩም ኣኅዋትን ኣኃትን፣ ብዝገበርኩምለይ ንስምዒትካ ዘንቀሳቅስ ምቅባል አመስግነኩም፣ ንኹሉኹም ብስም እቲ ጽኑዕ ተስፋና ዝኾነ ክርስቶስ ሃንጎፋይ ቢለ እቅበለኩም። ካብ መጀመርያ ክሳብ ሕጂ ከም ጓሳኹም ንኹሉ ምሳኻትኩም ዝሳተፉ ዘለው ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጁሰፐ ሞሊናሪ ብልቢ አመስግኖም፣ ንከንቲባ ላ’ኲላ ክቡር ማሲሞ ቻለንተ እውን ስለእቲ ዘካይድዎ ዘሎው ፍጡነ ረድኤትን ተወፋይነቶምን ከመስግኖም እፈቱ’’፣ ብማለት ንኹሎም ኣባኡ ዝሕግዙ ዘለው ጉጅለታትን ግለሰባትን ድሕሪ ምምስጋን ተሳታፊ ናይ ሽግሮም ምኻኖምን ወትሩ ኣብ ጸሎቶም ከምዝዝክርዎምን ገለጹ፣ ሎሚ ነዚ ቅርበትን ሓልዮትን ንምግላጽ ኣብ ማእከልኩም እነሆኹ፣ ካብታ እዚ ሓደጋ እዚ ዝተኸስተሉ ዕለት ጅሚረ ንኩሉ ምሳኻትኩም ከምዝተሳተፍኩን አረጋግጸልኩም፣

‘’ኣብዚ ሓደጋ እዚ ካብ ዘጋጠመ ሽግር ነቂልና ከም ክርስትያን እግዚኣብሔር በዚ ፍጻሜ እዚ እንታይ ክብለና ይደሊ አሎ ቢልና ክነስተንትን ናይ ግድን እዩ፣ እምብርምብር ኣብ ጊዜ ሕማማትን ትንሣኤን ክርስቶስ ኣብ ንዝክረሉ ግዜ ብምዃኑ ንቃል አምላኽ ብዕምቆት ክነስተንትን ይዕድመና፣ ከም ሕዝቢ መጠን ሞራልና ከየውደቅና ብሕዲሽ መንፈስ ክንትንሥእን ክንተሓጋገዝን የድሊ’’ ድሕሪ ምባል ንኩሎም ናብታ መጸናንዒት ሕዙናንን ጸግዒ ክርስትያንን ዝኾነት እኖና ቅድስት ድንግል ማርያም ብምምሕጻን ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ኣዕረጉ፣፣ ከባቢ ሰዓት ሓደ ናብ መንበሮም ተመልሱ፣፣








All the contents on this site are copyrighted ©.