2009-04-26 17:25:32

አርባዕተ ዓመት ናይ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል ዓሠርተው ሽድሽተ አብ መሪሕነት እንተላዕለ ኩሉ ቤተ ክርስትያን


ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 19 ሚያዝያ 2009 ዓ.ም.ፈ፣ ቅዱስ ኣቦና መሪሕነት መንበረ ጴጥሮስ ካብ ዝርከቡ ኣርባዕተ ዓመት ናይ ዝገበርዎ ዝኽሪ ኣብ ዘዕረግዎ ቅዳሴ ካብ ዝሰበኽዎ ዝተዋጸኤ ሓጺር ኣስተንተንትኖ ጋዜጠኛና ሰርጅዮ ቸንቶፋንቲ ነዚ ዚስዕብ ጽማቍ ኣቅሪቡ ኣሎ።

ቅዱስ ኣቦና ተልእኾኦም ክጅምሩ ከለው “ብልቡ ዚኣምን ሰብ ብሕይወት ከሎ ይኹን ኣብ ጊዜ ሞት ጨሪሹ በይኑ ኪኸውን ኣይክእልን” ቢሎም ነበበሩ። ኣብቲ ጊዜ’ቲ “ኣነ ድኹም ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ነዚ ልዕሊ ዝኾነ ክእለት ደቂ ሰባትን ልዕሊ ዓቅመይን ዝኾነ መዝነት ከመይ ገቢረ ክቅበሎ እኽእል?” ቢሎም ድሕሪ ምሕታትን ምስትንታንን ኣብቲ ምእንታኦም ዝዓረገ ምህለላ ሊጣንያ ኩሎም ቅዱሳን ብምትኳር “ዝኸበርኩም ኣዕሩኽተይ፤ ንኹሎም ጭፍራ ቅዱሳን ዝውክሉ ንታሪኽ ድሕነት ደቂ ሰባትን ርክቦም ምስ እግዚኣብሔርን ዘዘኻኽሩ ዓበይቲ ቅዱሳን ብምጽዋዕ ምእንታይ ጸሊኹም፣ እዚ ኸአ በይነይ ከምዘይኮንኩ የረጋግጸለይ። በይነይ ዝስከሞ ሰኸም የብለይን፣ ሰራዊት ቅዱሳን ናይ ጐይታ ይከላኸሉለይ ይድግፉኒ ይሽከሙኒ እውን። ዝኸበርኩም ኣዕሩኽተይ ጸሎትኩምን ፍቅርኹምን እምነትኩምን ተስፋኹምን እዮም ዘሰንዩኒ ዘለዉ” ብማለት እምነት ሥነ ሓሳብ ዘይኮነ ሓይልን ጽንዓትን ኮይኑ ንቤተ ክርስትያን ዘንብራ፣ ንክርስቶስ ከኣ ወትሩ ኣብ ማእከልና ሕያው ጌሩ ዘንብሮ ዓቢ መጋበሪ ምዃኑ ኣብ በዅሪ ተልእኮኦም ገሊጾም ነሮም። እምነትን ትሕትናን መለለዪ ተልእኾ ቅዱስ ኣቦና እየን። እምነት ሓቀኛ ዝኸውን ትሕትና እንተሎ እዩ። ቅዱስ ኣቦና ከም ኩልና ብዙሕ ሓሳባት ክህልዎም ይከአል። ክብገሱ እንከለው ዘነጸርዎ ግን እዚ ዚስዕብ እዩ፦ “ናይ ዘመነ ጵጵስናይ ሓቀኛ መደብ ፍቃደይ ክገብር ሓሳበይ ክፍጽም አይኮነን፣ ምስ መላእ ቤተ ክርስትያን ንቃል አምላኽን ፍቃድ ጐይታን ጽን ክብል ብኣኡ ክምራሕ ንኩሉ ኣብ ኢዱ ምግዳፍን ኢዩ፣ በዚ መንገዲ እዚ ኸስ ኣብ’ዚ ህልው ኩነታት ናይ ታሪኽና ንቤተ ክርስትያን ዝመርሓ ባዕሉ ጐይታ ይኸውን” ቢሎም ነሮም።

ካልአይ ተበግሶ ናይ ቅዱስ ኣቦና ከም ወኪል ክርስቶስ ኣሰር መምህሮም ዝኾነ ሕያዋይ ጓሳ ብምስዓብ ንዝጠፍኤት በጊዕ ምንዳይ እዩ። ካብ ቃሎም ከምእንሰምዖ፦ “እቲ ዘቃጽል ቅዱስ ቅንአት ክርስቶስ ንልኡኹ ዝኾነ ጓሳ ከነቃቅሖን ክዅስኩሶን ይግባእ። ኣብ ኣጻምእ ምድረበዳ ዝርከባ ነፍሳት የተሓሳስባኦ እየን። ብዙሕ ዓይነት ምድረብደታት ኣሎ፦ ምድረበዳ ድኽነት፣ ምድረበዳ ጥሜትን ጽምእን፣ ምድረበዳ ጥልመት፣ ምድረበዳ በይንኻ ምዃን፣ ምድረበዳ ዝዓነወ ሥድራ ቤት ወዘተ።” ብማለት ሓደ ሓቀኛ ጓሳ ነዚ ብህርፋን ሥልጣንን ብአምሰሉነትን ዝዕንቀጽ ዘሎ ተወፋይነትን ፍቅሪ ብጻይን ከድሕን ዝኽእል ፍቅሪ እምበር ሥልጣን ከምዘይኮነ ንኸረድኡ፤ “እቲ በጊዕ ፋሲካ ብምዃን ምእንታና ዝተሠውዔ ክርስቶስ ዓለም ብሰቀልቲ ዘይኮነ ብመስቀል እዩ ዚድሕን ይብለና ኣሎ” ይብሉ።

ነዚ አመልኪቶም “ሃብትን መዛግብን ዓለምና ኣብ ሕንጸን ገነት እግዚኣብሔር ዘይኮነ መጋበሪ ምዝመዛን ዕንወትን ኮይኑ ኣሎ። ቤተ ክርስትያን ምስ ጓሶታ ብሓባር ኮይና ከም መሥራቲኣን መራሒኣን ንደቂ ሰባት ካብቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮ ምድረበዳ ናብ መካነ ሕይወት፣ ናብ ዕርክነት ምስቲ ሕይወት ብምልኣት ዝህበና ወዲ እግዚኣብሔር ክትመርሕ ኣለዋ” ቢሎም።

ቅዱስ ኣቦና እቲ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንቅዱስ ጴጥሮስ “ኣባግዔይ ጓሲ” ዝበሎ ብምዝካር፥ “ጕስነት ማለት ምፍቃር ማለት ኢዩ፣ ምፍቃር ማለት ከአ ንክትሳቐ እውን ምስንዳው ማለት ኢዩ፣ ምፍቃር ትርጉሙ ነተን ኣባጊዕ ነቲ ዝበለጸ ቀለብ ሓቂ ዝኾነ ቃል ኣምላኽ ምሃብ በቲ ንሱ ዝህቦ ጥቀ ቅዱስ ቍርባን ብህላዌ ኣምላኽ ምቅላብ ኢዩ። ፍቁራት ኣዕሩኽተይ ኣብ ቅድሚ ተዃሉ ብፍርሂ ከይሃድም ምእንታይ ጸልዩ” ብማለት ይገልጽዎ።

ቅዱስነቶም ብዛዕባ እንህቦ ምስክርነት እንከስተምህሩ፦ “ሕይወትና ንእግዚኣብሔር ንምግላጽ ኢና እንነብር፣ እግዚኣብሔር ኣብ ዝረአየሉ ቦታታት ከአ ኢዩ ሓቀኛ ሕይወት ዝንበር። ንሕያው ኣምላኽ ኣብ ክርስቶስ ምስ ረኸብናዮ ጥራሕ ኢና ትርጉም ሕይወት ክርደአና ዝኽእል። ነፍሲ ወከፍና ፍረ ሓሳብ እግዚኣብሔር ኢና፣ ነፍሲ ወከፍና ብፍቃድ እግዚኣብሔር ተመዲቡን ተፈቂሩን ኣድላዪ ኮይኑን ይርከብ፣ ብክርስቶስን ብቃሉን ልብኻ ካብ ምትንካፍ ዚዓቢ ነገር የልቦን፣ ካብ ንኣኡ ምፍላጥን ነዚ ንካልኦት ምትሕልላፍን ዚበልጽ የሎን፣ በዚ ዕርከነት’ዚ ኢና ውሕልነትን ነጻነትን ፈጣሪ ብምሉኡ ክንለብሶ እንኽል” እንኪብሉ፣ ነዚ ዚስዕብ ብፍላይ ናብ መንእሰያት ዘተኮረ ምሕጽንታኦም የቅርቡ፣ “ካብ ናይ ነዊሕ ዓመታት ግላዊ ሕይወት ተመኵሮይ ተበጊሰ፣ ብዓቢይ ሓይልን እምንቶን ንዓኹም ፍቁራት መንእሰይ ካብ ክርስቶስ ኣይትፍርሑ፣ ንሱ ሓንቲ ኣየጕድለልኩምን እኳ ደአ ኩሉ ይህበኩም። ንኣኡ ዚውፈ ሚእቲ ካዕበት ይቅበል፣ ማዓጹ ልብኹም ንክርስቶስ ጋህ አቢልኩም ክፈትዎ እታ ሓቀኛ ሕይወት ከአ ክትርኽቡዋ ኢኹም አሜን።”








All the contents on this site are copyrighted ©.