2009-04-25 16:00:33

ኣብ ዒራቅ ዝርከቡ ክርስትያን ካብ ሕብረተ-ሰብ ዒራቅ ክውገኑ ከምዘይብሎም አቡነ ሉዊስ ሳኮ ገሊጾም፡


ኣብ ሰሜናዊ ዒራቅ ናይ ከተማ ኪርኩክ ናይ ካልደይ ሊቀ-ጳጳስ ብፁዕ አብነ ሉዊስ ሳኮ ህሉዉ ኩነታት ዒራቅ ንክርስትያን አብ ሓደ መዳይ ምውጋን ዝኣመተ ከም ዝመስል ጠቂሶም እዚ ሃይማኖታዉን ፖሊቲካዉን ህውከት ክፈጥር ዝኽእል ስለ ዝኾነ ክግታእ ከም ዘተሐሳሰቡ ተነጊሩ።
ብፅዕነቶም ነቲ ‘ባቅድድ ሆፕ’ ተስፋ ባቅዳድ ዝተሰምየ መርበብ ሓበሬታ ከም ዝገለጹ፣ ክርስትያን ዒራቅ መሠረት ታሪኽን ባህልን ዒራቅ ከም ዝኾኑ ክዝከር ይግባእ።
ኣብ ክንዲ ፍልልይን ሌላን ጉሌላን ሃገራዊ ዕርቂ ሰላምን ቅሳነትን ምዕባሌን ክርከብ ጻዕሪ ክካየድ ከም ዝግባእ ዘተሐሳሰቡ ብፁዕ አቡነ ሉዊስ ሳኮ፣ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ብኃባር ሰላማዊ ሕይወት ከተሕልፍ ስለዝሕግዝ ዒራቃውያን አብ ሃገራዊ ዕርቅን ዲሞክራስያዊ መስርሕን ከተኩሩ ከም ዘተሐሳሰቡ፡ እቲ መርበብ ሐበሬታ አመልኪቱ።
ኩነታት ዒራቅ ጽቡቅ አይኹን ድኣምበር፣ ማኅበረሰብ ክርስትያን ዒራቅ ነቲ ዘሎ ሽግር ብትዕግሥቲ ክሰግሮ ይጽዕር ከም ዘሎ ብፁዕ አቡነ ሉዊስ ሳኮ ከም ዘገንዘቡ ተተሓሒዙ ዝመጸ ዜማ አፍሊጡ።
እቶም በቲ ሕማቅ ኩነታት ካብ ሃግሮም ወጺኦም ንጐረባብቲ ሃገራት ሶርያ ዮርዳኖስን ሊባኖስን ዝተሰደዱ አባላት ማኅበረሰብ ክርስትያን ኩነታት ዒራቅ ምርግጋእ እነተርእዩ፡ ክምለሱ መደብ ከም ዘለዎም ክአ ብዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ከም ዝገለጹ ይምልከት።
ብሐፈሻ ህዝቢ ዒራቅ ሰብኣውን ንዋታውን ሐገዝ ከም ዘድልዮ፡ ብፁዕ አቡነ ሉዊስ ሳኮ ጠቂሶም በቲ ጸጸኒሑ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጸም መጥቃዕቲ፣ ህዝቢ ከም ዝብህርር ኣገንዚቦም ክኣ ህዝቢ ዒራቅ አብ ንቡር ሕይወት ክምለስ ዘለዎም ተስፋ ከም ዝገለጹ ተፈሊጡ ኣሎ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብጠንቂ’ቲ አብ ዝሓለፈ 48 ሰዓታት ኣብ ርእሰ ከተማ ባቅዳድ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ 60 ሰባት ሕይወቶም ከም ዝሰኣኑን ብዙሓት ከም ዝቆሰሉን ተፈሊጡ አሎ።







All the contents on this site are copyrighted ©.