2009-04-23 15:44:38

ናይ ቤተክርስትያን ጳጳሳዊ ዕቀባ ባህሊ


ናይ ቤተክርስትያን ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ስርሐት ሥነ-ጥበብ ምስ ናይ ክፍለ ሃገር አብሩጾ ብምትኅብባር ነቶም ብምንቅጥቃጥ መሬት ዝተበላሸዉ ጥንታውያን ብሥነ-ጥበብ ዝተቀብኡ ባህላውያን ቅርሥታት ንምሕዳሶም ሐላፍነት ከም ዝወሰደት እቲ ቤት ጽሕፈት ሐበሬታ ሂቡ አሎ።

ከምቲ ዝዝከር አብዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ሚያዝያ መጀመርያ ሶሙን አብ ማእከላይ ጣልያን ዝተኸሰተ ምንዋጽ መሬት አብ ልዕሊ ሕይወት ሰብን አብ ልዕሊ ንብረትን ጥንታውያን ቅርስታትን ዓቢ ጉድአት አኸቲሉ ኢዩ ።

ናይ ቤተክርስትያን ቤት ጽሕፈት ዕቀባ ሥነ-ጥበባዊ ስርሐት ከም ዘመልከቶ አብ ምሕዳስ ቅርስታት ክሳተፉ ዝደልዩ ሥነ-ጥበባውያን ቀባእቲ ማለት ወሐለታት ሥነ-ጥበብ፣ ክእለት ሥነ-ቅብአት መርትዖ ዝሐዘ ምስክር ስራሕ ብኢመይል /a> ወግዓዊ መመልከቲ ክሰዱ ይኽእሉ ።

አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ባህሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀመንበር ብፁዕ አቡነ ጂያይን ፍራንኮ ራቫዚ ጽባሕ አብ ናይጀርያ ከተማ ኦወሪ ሳይንሳዊ ፈስቲፋል መሪቆም ከም ዝኸፍቱ ተፈሊጡ አሎ።

ናይ ቅድስቲ መንበር ውሀቢ ቃል አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ እዚ ብአቡነ ጂያንፍራንኮ ራቫዚ አብ ኦወሪ ዝተኸፍተ ፈስቲቫል ሳይንስ ድሕሪ ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብ ካመሩንን አንጎላን አፍሪቃ አብ ልቢ ቤተክርስትያን ከም ዘላ የርእን የረድእን ብማለት መገለጺ ከም ዝሀቡ ይምልከት።

ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ጥቅምቲ አብ ቫቲካን ናይ መላእ አፍሪቃ ጳጳሳት ሲኖዶስ ክካየድ ተመዲቡ ከም ዘሎ ከአ እግረ መንገዶም ከም ዘዘኻኸሩ ተገልጹ።

እዚ አብ ናይጀርያ ከተማ ኦወሪ ጽባሕ ዝኽፈት ሳይንሳዊ ፈስቲቫል ክሳዕ ዕለተ ክልተ ግንቦት ከም ዝጸንሕ ተነጊሩ።

እዚ ጽባሕ አብ ከተማ ኦወሪ ዝክፈት ሳይንሳዊ ፈስቲቫል ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ባሕሊ ጳጳሳዊ ቤት መኽሪን ብትካል ባህሊ ዝርጋሔ ሳይንስን ዝተዳለው ከም ዝኾነ ይፍለጥ።

ናይ ባህሊ ጳጳሳዊ ቤት መኽሪ ቅድስቲ መንበር አብ መንጎ ሃይማኖትን ሳይንስን ዘሎ ርክብ ብቀጻሊ ከም ዘጽንዕ፡ ቤተክርስትያን ካብ ጥንቲ ነቲ ብሳይንስ ዚካየድ መስርሕ መበቆል ሰብ ዚምልከት መጽናዕትን መርመራን ከም ትድግፍ ዚዝከር ኢዩ።

ብፁዕ አቡነ ጃንፍራንኮ ራቫዚ ነፍሰኄር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሐንስ ጳውሎስ ካልአይ ዘኪሮም ሳይንስ ንሃይማኖት ብዚምልከት አብ መዳይ አጉል እምነት አብ ምንጻሕ ክትተሐባበራ ከም ትኽእል ሃይማኖት ክአ ንሳይንስ ካብ እምነት አልቦነት ከተናግፋ ከም ትኻእል ከም ዝገለጹ ተፈሊጡ አሎ ።

ናይቲ ኢድስ ዝተባህለ ትካል ዝርጋሔን መጽናዕትን ሳይንስ ሊቀመንበር ፕሮፈሶር ቪቶርዮ ሲልቨስትሪኒ ከም ዘመልክትዎ፡ አብ አፍሪቃ ምትእትታው ሳይንስ ሐደ መዓልቲ ነቲ አብ መንጎ ኤውሮጳን አፍሪቃን ዘሎ ዓቢ ምጣኔ ሀብታዊ ጋግ ከጽብቦ ተስፋ ይኽእል ይከውን።







እቲ ዝሓለፈ ሰኑይ አብ ስዊጸርላንድ አብ ጀነቭ ዝተጀመረ አድልዎ ዓሌት ዘተኮረ ሀገራት ሐቆፍ ጉባኤ ጽባሕ ከም ዝዛዘም ክዝከር ከሎ፣ ድሮ ትማሊ ናይ መወዳእታ ውሳኔ ዝሐዘለ ሰነድ ከም ዘውፅኤ ካብቲ ቦታ ዝመጸ ዜና አገንዚቡ።

በዚ ዜና’ዚ መሠረት ዓሰርተ ሽዱሽተ ገጻት ዝሐዘለ 143 ዓንቀጻት ዝርከቦ ናይ መወዳእታ ሰነድ ጉባኤ ብሐደ ድምጺ ከም ዝሐለፈ ኪምልከት ከሎ አብዚ ዓለም’ዚ ዝተፈጸሙን ዝፍጸሙ ዘለዉን አድልዎ ዓሌታት ብሓደ ድምጺ ኰኒኑ።

እዚ አብ ስዊጸርላንድ አብ ከተማ ጀነቭ ዝተኻየደ አድልዎ ዓሌት ዘተኮረ ሃገራት ሐቆፍ ጉባኤ፣ ነቲ ብናዚ ጀርመን አብ ልዕሊ አይሁድ ዝተፈጸመ ህልቂተ/ህዝቢ አብ ልዕሊ ንኡሳን ማሕበረሰባት አብ ደቀንስትዮ አብ ልዕሊ ስድተኛታት አብ ልዕሊ ጂፕሲስ አብ ልዕሊ ሕሙማት ኤች አይ ቪ ኤይድስ ዝፍጸሙ አድልዎታት አጽኒዑ ከም ዝወገዞ ካብቲ ቦታ ዝመጸ ዜና ሐበሬታ ሂቡ አሎ ።

ናይ ባይቶ ኅቡራት ሃገራት ዋና ጸሐፊ ባን ኪሙን ብውጽኢት’ቲ ጉባኤ ከም ዝዓገቡ መግለጺ ጠቂሶም እቶም እቲ ንድፈ ውሳኔ ጸረ-ሴማውያን ትሕዝቶ አርእዩ ብዝብል ምኽንያት ካብቲ ጉባኤ ርእሶም ዘግለሉ በቲ ናይ መወዳእታ ውሳኔ ሕጉሳት ክኾኑ ከም ዝገለጹ ይምልከት።

ናይ መንግሥቲ ኢራን መራሒ ፕረሲዳንት አሕመዲን ነጃድ ንእስራኤል ብአድልዎ ዓሌት ከም ዝኸሰሱን ንሶም ዲስኩር ክገብሩ ከለዉ ናይ ብዙኃት ሃገራት ልኡካን ካብቲ ጉባኤ ከም ዝወጹን ይዝከር ።

አብ ትካላት ባይቶ ኅቡራት ሃገራት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዝቢ ብፁዕ አቡነ ሲልቫኖ ማሪያ ቶማሲ እቲ ውጽኢት ጉባኤ አዎንታዊ ከም ዝኾነ መግለጺ ሂቦም አለዉ።








All the contents on this site are copyrighted ©.