2009-04-21 17:11:27

ድምጺ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስን ቅድስቲ መንበርን አብ ባይቶ ኅቡራት ሃገራት


አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ባይቶ ኅቡራት መንግሥታት አመሪካ አምባሳደር ዝነበራ ወ/ሮ ሜሪ አን ግለንዶን፣ ድምጺ ር.ሊጳ. በነዲክቶስን ቅድስቲ መንበርን አብ ባይቶ ኅቡራት ሃገራት ዓቢ ክብሪ ከም ዘለዎ መግለጺ ሂበን አለዋ።

አብ ባይቶ ኅቡራት ሃገራት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ቤት ጽሕፈት፣ ዝሐለፈ ዓመት ወርሒ ሚያዝያ አብ ኅቡራት መንግሥታት አመሪካ ዝገበርዎ ሐዋርያዊ ዑደትን አብ ባይቶ ኅቡራት ሃገራት ተረኺቦም ዝገበርዎ መደረን ዘዘኻክር ንዑስ መጋባእያ ከም ዘካየደ ኪምልከት ከሎ፣ ናይ ብዙኃት ሃገራት አምባሳደራት ተረኺቦም ከም ዝነበሩ አብ ባይቶ ኅቡራት ሃገራት ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ቀዋሚ ተዓዛቢ አገንዘቡ።

በተን አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ኅቡራት መንግሥታት አመሪካ አምባሳደር ዝነበራ ወ/ሮ ሜሪ አን ግሊንደን ዝሃብኦ መግለጺ መሠረት፣ ዝሓለፈ ዓመት ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ አብ ዋና ቤት ጽሕፈት ባይቶ ኅቡራት ሃገራት ተረኺቦም መደረ ኣብ ዘስምዑሉ ግዜ አብ ባይቶ ዳርጋ ናይ ኩለን 192 ሃገራት መራሕትን ወከልትን ተረኺቦም ኔሮም ፡፡

ነቲ ንባይቶ ኅቡራት ሃገራት ዘስምዕዎ መደረ ምስ ፈጸሙ ከአ ኩሎም አምባሳደራት ተንሲኦም ዝገበርዎ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ጠቃዒት ይዝከረኒ ዝበላ አምባሳደር ሜሪ አን ግሊንደን፣ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ ዘስምዕዎ መደረ ከአ አብ መስረታዊ ክብሪ ወዲ ሰብን ፍትሕን ሰላምን ዘተኮረ ስለዝነበረ ንብዙኃት አምባሳደራት ከም ዝመሰጠ ከም ዝገለጻ ተነጊሩ።

አምባሳደር ሜሪ አን ግሊንደን ቀጺለን ከም ዘመልከተኦ፣ ቫቲካን አብ ባይቶ ኅቡራት ሃገራት ፖሊቲካዊ ይኹን ኤኮኖምያዊ ረብሓ ከም ዘይብላ ኩሎም አምባሳደራት ይርድኡ ኢዮም። ኮይኑ ግን ምግሃስ ሰብአዊ መሰል ሰባት ከም ትቃወም፡ አብዚ ዓለም“ዚ ሰላም ክሰፍን ፍትሒ ክነግሥ ከም ትደልን ከም ትጽዕርን ከም ዝርድኡ ጠቂሰን ከአ፡ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ አብ ባይቶ ኅቡራት ሃገራት ዝርከቡ አምባሳደራት ሃገራት ዓለም፡ ናይ ሰላምን ቅሳነትን ሥነጥበባውያን ክኾኑ ምስ ሐተትዎም ልቦም ከይተተንከፈ አይተረፈን ዝብል ግምት አሎኒ ከም ዝበላ ንትረሲ ማክሉር ዝተባህላ ጋዜጠኛ ቫቲካን ሬድዮ ከም ዝገለጻላ ተፈሊጡ አሎ፡፡








All the contents on this site are copyrighted ©.