2009-04-16 10:29:27

ጸሎተ ሓሙስ


ኣብ ትምህርቲ ክርስቶስ ከምዝተማሃርናዮ ጸሎተ ሓሙስ ካብ ዓበይቲ በዓላት ሓደ ኢዩ። ንድኅነትና ካብ እተፈጸሙ ዓበይቲ ተአምራታት ድሕሪ ምሥጢረ ሥጋዌ ምሥጢረ ቅዱስ ቁርባን ኢዩ። ጐ.ኢ.ክ. ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ ቅዱስ ቁርባን ቅድሚ ምሥራዑ ብዛዕባ ሥጋሁ ወደሙ ኣስፊሑ ተዛሪቡ ነይሩ። እዚ ከዓ ሓደ ካብቲ ምስ ኣይሁድ ዘየሰማምዖ ዝነበረ ትምህርቲ ኢዩ።

ሓደ ጊዜ ጐ.ኢ.ክ. እንጌራ ኣበርኪቱ ንብዙኀት ሰባት ስለ ዘዔንገል፣ እንካብ ዝነበሮ ቦታ ናብ ካልእ ምስ ተጓዕዘ ብዙኀት ሰባት ደለይዎ፣ ምስ ረኸቡዎ ከዓ እንጌራ ስለ ዝበልዑን ስለ ዝጸገቡን እምበር ብኻልእ ምኽንያት ከምዘይደለይዎ ድኅሪ ገሊጹሎም፣ “ምእንቲ ሓላፊ እንጌራ ዘይኮነስ ምእንቲ እቲ ወዲሰብ ዝህበኩም ንሕይወት ዘለዓለም ዝነብር መግቢ ጸዕሩ” በሎም። ንሳቶም ከዓ ሙሴ ነቦታቶም እንካብ ሰማይ መና ኣውሪዱ ከምዘብልዖም ድሕሪ ዘኪሮምሉ፣ ናብኡ ክአምኑ ከምዝግባእ ነጊሩዎም ስለዝነበረ “እሞ ርኢና ክንኣምንስ እንታይ ተአምራት ተርኢ” በልዎ። ንሱ ድማ እቲ ካብ ሰማይ ዝወረደ መና ኣቡኡ ዝሰደዶ እምበር ሙሴ ዝሃቦም ከምዘይኮነ ገለጸሎም። ኣቦታቶም ካብ ሰማይ ዝወረደ መና በሊዖም እንከለው ከምዝሞቱ፣ እቶም ንሱ ዝህቦም ሥጋ ዝበልዑ ግን ከምዘይሞቱ ድኅሪ ኣፍሊጥዎም ከዓ፣ “እቲ ካብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ሕይወት ኣነ ኢየ፣ እንካብዚ እንጌራዚ ዝበልዕ ንዘለዓለም ክነብር ኢዩ። እዚ ኣነ ምእንቲ ሕይወት ዓለም ዝህቦ እንጌራ ከዓ ሥጋይ ኢዩ … ሥጋይ ዝበልዕ ደመይ እውን ዝሰቲ ዘለዓለማዊ ሕይወት ክወርስ ኢዩ፣ ኣነ እውን በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ ከተንሥኦ ኢየ --- እቲ ሥጋይ ዝበልዕ ደመይ እውን ዝሰቲ ኣባይ ይነብር ኣነ ከአ ኣብኡ እነብር” በሎም።

እዚ ከምዚ ዝአመሰለ ዘረባ ንኣይሁድ አዓንቀጾም። ቅዱስ ዮሓንስ ገሊኦም እንካብኣቶም “እዚ ዘረባ እዚ ጽንኩር ኢዩ፣ መን ክሰምዖ ይኽእል” ከምዝበሉን ካብቲ እዋንቲ ኣትሒዞም ድማ ብዙሓት ካብ ኣርድእቱ ምሳኡ ምኻድ ከምዝሓደጉን ይነግር። እንተኾነ ክርስቶስ በዚ ነገርዚ ድሕር ኣይበለን፣ ናብ ሓዋርያቱ ምልስ ኢሉውን “ንስኻትኩምከ ክትከዱዶ ትደልዩ፤ በሎም። እንተኾነ ጴጥሮስ “ጐይታይ ናብ መን ኢናሞ ክንከይድ፤ ንስኻ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ቃል ኣሎካ… ወዲ ሕያው እግዚኣብሔር ምዃንካ ኣሚናን ፈሊጥናን ኣሎና” በሎ።

ጐ.ኢ.ክ. እቲ ዘስመዖ ሥጋኡን ደሙን ቅድሚ ምማቱ ብምሥጢራዊ መንገዲ ሠሪዑ ሐደገልና። ኣይሁድ ፋሲካኦም፣ ማለት ቀይሕ ባሕሪ ሰጊሮም ካብ ኢድ ፈርዖን ነጻ ዝወጹሉ መዓልቲ ንምዝካር ስድራቤት ተአኪቦም ፍሉይ ድራር ምግባር ልማድ ኣለዎም። በዚ መዓልቲዚ ሓዋርያት ንኢየሱስ ኣበይ ድራር ከነሰናድወልካ ትደሊ ቢሎም ሓተቱዎ፣ ቦታ ሓቢሩ ንኸሰናዱዉ ንጴጥሮስን ንዮሓንስን ለአኾም። ኩሉ ምስ ተሰናደወ፣ “ስቓይ ቅድሚ ምቕባለይ ነዚ ፋሲካዚ ምሳኻትኩም ኮይነ ክበልዕ ብዙኅ ሃረር በልኩ” ድሕሪ ኢልዎም ወንጌላውያን ንቅዱስ ቁርባን ከምዚ ዚስዕብ ገይሩ ከምዝሠርዖ የዘንትው። “እንጌራ አልዒሉ ኸዓ አመስገነ፣ ቈሪሱውን እዚ ምእንታኻትኩም ዝወሃብ ዘሎ ሥጋይ ኢዩ፣ ነቲ ጽዋዕ ኣልዒሉ ኸዓ እዚ ምእንቲ ብዙኀት ዝፈስስ ናይ ሓዲስ ኪዳን ደመይ ኢዩ፣ እዚ ምእንቲ ዝኽረይ ግበርዎ” እናበለ ሀቦም።

ሕይወት ዘሎዎ ፍጡር ንኽነብር ምግቢ የድልዮ ኢዩ፣ ኢየሱስ ከዓ ኣቐዲሙ ከምዝበሎ፣ ነፍስና ሕይወት ምእንቲ ክትረክብ እዚ ምሥጢራዊ ምግቢ ሓዲጉልና ኸደ፣ ሕይወት ክንረክብ እንተደለና ኸስ ከነዘውትሮ ከምዘሎና ኣቐዲሙ ከምዘፍለጠና ርኢና ኣሎና።

ክርስቶስ ቅድሚ ንሰማይ ምዕራጉ ንሓዋርያት ብኣታቶም ከዓ ነቶም ዝኽተሉዎ ኩላቶም “ክሳብ መጨረሻ ዓለም ምሳኻትኩም ኣሎኹ” በሎም፣ እኔሆ ኸዓ በዚ ምሥጢራዊ መንገዲ ምሳና ይነብር ኣሎ፣ ንኡኡ እናተመገብና ኸዓ ምስኡ ክንወሓሃድ ይዕድመና ኣሎ። እንተኾነ “ቅዱስ ነገር ንቅዱሳን” ከምዝበሃል ንኽንቅበሎ ኣቐዲምና ክንሰናዶ የድሊ። ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ቆሮንቶስ ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቲ ጐ.ኢ.ክ. ከመይ ገይሩ ቅዱስ ቁርባን ከምዝሠርዔ ድሕሪ ገሊጹ፣ “ምእንትዚ ነፍስ ወከፍ ሰብ ኣቐዲሙ ንርእሱ መርሚሩን ኣንጺሑን ካብዚ እንጌራ ይብላዕ፣ ካብዚ ጽዋዕ ይስተ፣ ከመይ እቲ እንከይተሰናደወ እንከሎ ካብኡ ዝበልዔ ካብኡ ዝሰተየ ንናይ ጐይታና ሥጋን ደምን ብዝርኢ ተሓታታይ ክኸውን ኢዩ፣ እዚ ሰብዚ ጥፍኣቱን መቕዘፍቱን በሊዑን ሰትዩን ማለት ኢዩ” ይብሎም።

ጐ.ኢ.ክ. ምሥጢረ ቅዱስ ቁርባን ድሕሪ ሠሪዑ ንሓዋርያቱ “እዚ ምእንቲ ዝኽረይ ግበርዎ” በሎም፣ በዚ መንገዲዚ ኸዓ ነዚ ናይ ፍቕሪ ምሥጢር ከዘውትርዎ ሥልጣን ሃቦም፣ ብድሕሪኦም ከዓ ንኣታቶም እተኸተሎ ጳጳሳትን ካህናትን ከዘውትሩዎን ነፍሳት ክምግቡሉን ይነብሩ ኣለው። ነዚ ዓቢይ ሥልጣን ዘስተንተነ ብስም 318 ኣበው ዚጽዋዕ “አኰቴተ ቁርባን” ዝደረሰ “ዘኢተገብረ ለመላእክት ተገብረ ለካህናት” ንመላእኽቲ ዘይተዓደለ ንካህናት ተዓደለ ይብል። ዓቢይ ምሥጢር ኢዩ፣ ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ ንድንግል ማርያም ብዛዕባ “ምሥጢረ ሥጋዌ” ከበሥር እንከሎ ንእግዚኣብሔር ዝሰአኖ የሎን ከምዝበላ፣ ነቲ ምሥጢር ዝገበረ ኣምላኽ ነዚ ምግባር እውን ኣብ ኢዱ ኢዩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.