2009-04-16 16:17:43

ዝኽሪ ዕለተ ልደትን ሲመተ ጵጵስናን ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በንዲክቶስ መበል ዓሠርተው ሽድሽተ


ሎሚ ዕለት 16 ሚያዝያ 2009 ዓምፈ ቅዱስ ኣቦና መበል 82 ዕለት ልደቶም ዝዝክሩሉ እንኪኾን፣ ዝመጽእ ሰንበት ኸዓ ራብዓይ ዓመት ጵጵስናኦም ክዝክሩ እዮም።

ናይ ቅድስት መንበር ናይ ማኅተም ክፍሊ ሓላፍን ጠቅላሊ ሓለቃ ራድዮ ቫቲካንን ተለቪዥን ቫቲካንን ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ሕመረት ናይ ተልእኮ ቅዱስ ኣቦና ክገልጹ ከለው “ናይ በንዲክቶስ መበል ዓሠርተው ሽድሽተ ተልእኮ ዓንዲ ማእከል ንደቂ ሰባት ናብ እግዚኣብሔር ንእግዚኣብሔር ከአ ናብ ደቂ ሰባት ብፍቅሪ ክርስቶስ ምምላስ እዩ” ክብሉ ገለጹ። መግለጺኦም ብምቅጻል ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ካብ ዝተፈጸሙ ዓበይቲ ጉዳያት ቅዱስ ኣቦና፣ ካብ ዓዲ ጣልያን ወጻኢ ኣብ ዝገበርዎም መገሻታት ብምትኳር ኣብ ኣርባዕተ ክፍላተ ዓለማት ኣርባዕተ ኣገደስቲ ጉዕዞታት ከምዝፈጸሙ ዘኪሮም፣ መጀመሪያ ናብ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ብምብጻሕ ብኡ ኣቢሎም ኣብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ጽሕፈት በጺሖም፣ ቀጺሉ ዚሰዓበ ጉዕዞ ንዓለም ለኸ ዕለት መንእሰያት ምስ መንእሰያት ንምብዓል ናብ ኣውስትራልያ ካብኡ ናብ ፈረንሳ ኣብዚ ዚሓለፈ ሳምንታት ከአ ናብ ኣፍሪቃ ብምብጻሕ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ኣርባዕተ ኣህጉር በጺሖም። ነፍሲ ወከፍ ምብጻሕ ምስቲ ናይ ተቅባልን ካልእ ጉዳያትን ሓዊስካ፣ ኣብ ኩሉ ፍቅሪ ክርስቶስን ትምህርቲ ክርስቶስን ከከም ኣድላይነቱ ምሂሮም።

ካልእ ፍልይ ዝበለ ፍጻሜ ከአ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ብፍቃዶምን ብምርሒቶምን ዝተገብረ ጠቅላሊ ናይ ጳጳሳት ሲኖዶስ ኣብ ቃል እግዚኣብሔር ዝተገብረ እዩ።

ከም ልሙድ ተልእኮኦም እኳ እንተወሰድናዮ ኣብ ውሽጢ እዚ ዓመት እዚ ዝገበርዎም ናይ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣስተምህሮን ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስን ኣብ በዓላት ዘቅርብዎም ስብከታትን ብዕምቆቶምን ሃብቲ ትሕዝቶኦምን ንህዝበ ክርስትያን ብመንፈስን ብንባበ መለኮትን ባህልን ንክህነጹ ዝሕግዙ ንዘንተ ዕለት ከም ውርሻ እንሕዞም ክቡር መዝገብ ምዃኖም ሓቢሮም።

ኣብ መወዳእታ ኣብ ውሽጢ እዚ ዓመት እዚ ዘጋጠመ ጸገማት እንተሎ ተሓቲቶም እንክምልሱ፣ “ብርግጽ ወትሩ ክበድ ኣሎ፣ ብዙሕ ዘጸገመ ግን ናይቶም ኣርባዕተ ናይ ኣቡነ ለፈብረ ተኸተልቲ ኣቡናት ኣብ ምቅባል ጉዳይ ኣቡነ ዊሊያምሰን ጸገም እዩ፣ ኣቡነ ዊልያምሰን ብሰንኪ ዝወሰድዎ መርግጺ እቲ ውግዘት ተመሊሱ ኣብ ቦታኡ እዩ ዘሎ፣ ነዚ ንምእላይ ቅዱስ ኣቦና ናብ ኩሎም ኣቡናት ናይ ዓለም መልእኽቲ ከምዝጸሓፉ ዝዝከር እዩ፣ እዚ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያን ንዘሎ ወጥሪ ብኸመይ ከምዝኣልይዎ የመልክት፣ በዚ ከአ እቲ ቀንዲ ሕመረት ናይ ተልእኮኦም ንደቂ ሰባት ናብ እግዚኣብሔር ንእግዚኣብሔር ከአ ናብ ደቂ ሰባት ብፍቅሪ ክርስቶስ ምምላስ ከምዝኾነ የመልክት፣ ብምባል ብዛዕባ ኣብ ዚመጽእ ወርሒ ናብ ቅድስት መሬት ዝገብርዎ መገሻ ብዕለተ ፋሲካ ንዝሃብዎ መብርሂ ኣዘኻኺሮም ንቅዱስ ኣቦና ከአ ዕድመን ጥዕናን ከብዛሓሎም ዘለዎም ሠናይ ትምኒት ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.