2009-04-16 10:32:37

አብሩጾ ድሕረ ምንዋጽ መሬት 


ድሕሪ ምንዋጽ መሬት ክፍለ ሀገር አብሩጾ አብ ማእከላይ ጣልያን ነቲ ብምንዋጽ መሬት ዝዓነወ ህንጻታትን አባይትን እንደገና ንምህናጽ ይሕሰብ ከም ዘሎ ተነጊሩ።

ክሳዕ ሕጂ በዚ ሐደጋ”ዚ ዝሞቱ ሰባት 294 ከም ዝኾኑ ካብ ሺሕ ንላዕሊ ከም ዝቆሰሉን 100 ካብአቶም ብርቱዕ ከም ዝቆሰሉ ይፍለጥ።

ዝሐለፈ ዓርቢ ናይቶም ብምንዋጽ መሬት ሕይወቶም ዝሰአኑ ሰባት ናይ ቀብሪ ስነርዓት ከም ዝተፈጸመ ይዝከር።

ብጠንቂ”ዚ ሐደጋ”ዚ መጽለሊ ዘይብሎም ዝተረፉ ሰባት 55 ሺሕ ከም ዝኾኑን አብ ግዝያዊ ተንዳታት ይነብሩ ከም ዘለዉን ይፍለጥ።

ናይ ሰበኻ አብሩጾ ጳጳሳት ነዚ አብ ብምንዋጽ መሬት ዝተጠቅዔ ህዝቢ መንፈስዋኢን ሞራላዊን ድጋፍ የገብርሉ ከም ዘለዉ፣ ኪምልከት ከሎ፣ ናይ ከተማ ላ”ኲላ ጳጳስ ብጹዕ አቡነ ጁሰፐ ሞሊናሪ ትማሊ ነቶም፣ አብ ተንዳታት ዝነብሩ ዘለዉ ሰባት ከም ዝበጽሕዎምን መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉን ይፍለጥ።

ዝሐለፈ ሰንበት ብስርዓት ላቲን ትንሣኤ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ናይ ጣልያን ረኪበ ጳጳሳት ዋና ጽሐፊ ብብዙሐት ጳጳሳትን ካህናትን ተሰንዮም አብቲ ንግዚኡ ዝተሰርሑ ተንዳታት ዝተዳለወ ቤት ጸሎት መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉ ይዝከር።

አብዚ መስዋዕተ ቅዳሴ’ዚ ናይ መንግሥቲ ላዕሎዎት ሰበሥልጣናት ከም ዝተሳተፉን፣ ድሕሪ ቅዳሴ ቀዳማይ ሚኒስተር በርሉስኮኒ ብዛዕባ ህጹጽ ዳግመ ህንጻ መግለጺ ከም ዝሀቡን ይምልከት።

አብ ከተማታት ላኣኲላ ኦና አቨጻኖ ሱልሞና ብጠንቂ ምንዋጽ መሬት አዝየን ዝዓነዋ ከም ዝኾና ክዝከር ከሎ፣ ዳግመ ህንጻ ነዊሕ ግዜን ብዙሕ ገንዘብን ከም ዝሐትት ኪምልከት ከሎ፣ እዚ አከባብ’ዚ ንምዋጽ መሬት ዝተቃልዔ ስለዝኮነ፣ ንምንቅጥቃጥ መሬት ብዝጻወር አገባብ፣ ንምህናጽ መደብ ከም ዘሎ ተነጊሩ።

ንምንዋጽ መሬት ዝጻወሩ ህንጻታትን አባይትን ንምህናጽ ካብ ሀገራት ሕብረት ኤውሮጳ ካብ ፈረንሳ ብሪጣንያን እስጳኛን፣ ምስ ጣልያን ዝተሐባበሩ መሀንድሳት ከም ዝመጹ ይምልከት።

እቶም አብ ተንዳታት ዝነብሩ ዘለዉ 55 ሺሕ ዝኾኑ ሰባት አባይቶም ክሳብ ዝህነጽ ናብ ካልእ አውራጃታት ካብ ምስዳድድ አብ ተነዳታት ክነብሩ ከም ዝወሰኑ ብቃለ መሕትት መልክዕ ከም ዘረጋገጹ ተገሊጹ።

መንግስቲ 30 ሚልዮን ኤውሮ ከም ዝሰልዔን ነዚ ብምንዋጽ መሬት ዝተጠቅዔ ህዝቢ ዕለታዊ ናብርኡ ዘካይደሉ ምሉእ ሕገዝ ከም ዝሸፈነ ኪምልከት ከሎ ናይ መንግስቲ ዘይኮና ግብረ ሠናይ ማኅበራት ጣልያን ዝአክል ሕገዝ ከም ዘወፈያን ብሀገር ደረጃ ገንዘብ ይዋጻእ ከም ዘሎን ይዝከር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ከምቲ ናይ ስዱሽተ ሚያዝያ አይኹን እምበር አብ አውራጃ አብሩጾ በብግዚኡ ፈኲስ ምንዋጽ መሬት ይኽሰት ከም ዘሎን ህዝቢ ካብ ፍርሒ ከምዘይተናገፈን ተነጊሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.