2009-04-16 17:22:32

ኅቡራት መንግሥታት ኣመሪካን ሩስያን ኑክሌራዊ አጽዋር ውግእ ንምንካይ ክዛተያ እየን


ሰበሥልጣናት መንግሥታት አመሪካን ሩስያን ምጕዳል ኑክሌራዊ አጽዋር ውግእ ብዚምልከት ንምዝታይ አብዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ሚያዝያ መወዳእታ ከም ዝራኸቡ ተፈሊጡ አሎ።

ክልቲኦም መንግሥታት፣ ብ2002 አብ ሞስኮ ተራኺቦም ኑክሌራዊ አጽዋር ከጒድሉ ተሰማሚዖም ከም ዝተፈራረሙ ክዝከር ከሎ እዚ ስምምዕ”ዚ ክሳዕ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ታሕሳስ ከም ዝጸንዕ ይፍለጥ። ብወገን ሐዲሽ ምምሕዳር ኅቡራት መንግሥታት አመሪካ ምጕዳል ኑክሌራዊ አጽዋር ውግእ ክግበር ጽኑዕ ድላይ ከም ዘሎ ኪምልከት ከሎ፣ ፕረሲዳንት ባራክ ኦባማ ምርጋፍ ኑክሊራዊ አጽዋር ውግእ ብዚምልከት ዝኽተልዎ ፖሊሲ አብዚ ቀረባ ግዜ ከም ዘነጽሩ ተነጊሩ አሎ።

ብዘይካ ክልቲኤን ርእሰ-ኀያላን መንግሥታት፣ አመሪካን ሩስያን ካልኦት ሃገራት ዋናታት ኑክሌራዊ አጽዋር ውግእ ንምዃን ይጽዕራ ከም ዘለዋ ዘመልከተ ዜና፣ ሰሜን ኮርያን ኢራንን ከም አብነት ጠቂሱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.