2009-04-08 09:44:32

መስቀል ዓለምለኸ ዕለተ መንእሰያት ምስቲ ምእንታና ሞይቱ ካብ ሞት ዝተንሠኤ ክርስቶስ እንገብሮ ርክብ የመልክት


ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ንግሆ ኣብ ሓዋርያዊ ኣደራሽ ጳውሎስ6ይ ካብ መሳቱኦም መንእሰያት ኣውስትራልያ መስቀል ዓለምለኸ ዕለተ መንእሰያት ክቕበሉ ናብ ሮማ ዝመጹ መንእሰያት እስጳኛ ተራኺቦም ነዚ ዚስዕብ መሪሕ ቃል ሂቦም።

ዝመጽእ ዓለምለኸ ዕለተ መንእሰያት ብ2011 ዓ.ም.ፈ ኣብ ርእሲ ከተማ እስጳኛ ማድሪድ ኪካየድ ተመዲቡ ንዘሎ ብምጥቃስ ቅዱስ ኣቦና

‘ንበዓል ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት እንሰናደወሉ ጊዜ ድሮ ናይ ቤተ ክርስትያን ኣባልነትና ጸጋ እነስተማቅረሉ ፍሉይ ዕድል ዝህብ ጊዜ ኮይኑ ኣሎ’ ብማለት እዛ ዕለት እዚኣ ‘ሓንቲ ታሕጓስ እተስተንፍሰላን ንኩሉ ብሕታዊ ፍቅሪ ኣምላኽ እተስተማቅረላን ወትሩ ሓዳስ ሥድራ ቤት እያ። ትማሊ ካብ መንእሰያት ሲድኒይ ዝተቐበልክምዎ መስቀል ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት ምስቲ ምእንታና ዝሞተን ካብ ዝተንሠኤን እንገብሮ ርክብ የመልክት፣ ነዚ ዚተቕበልክምዎ መስቀል ኣብ መዓልቲ ዓርቢ ስቅለት ናብ ኩለን ጐደናታት ማድሪድ ክተዙርዎ ምዃንኩም ኣዚዩ የሐጉሰኒ፣ በዚ ተግባር እዚ እቲ መስቀል ክኸብርን ክስገደሉን ኢዩ። ዝከበርኩም መእሰያት ሕይወትኩም ብፍቅሪ ክርስቶስ ብምውፋይ ንፍቅሪ ክርስቶስ መልሲ ሃቡ፣ ኣብዚ እትሰናደዉሉ እዋን ምስ ዝሞተን ዝተንሠኤን ክርስቶስ ናይ ዘሎኩም ርክብ ተመኵሮ ኣሓድሱ። ኣብ ነናይ ዕለቱ ዝገጥመኩም ፈተና ክትጸንዑ ንሕይወትኩም ትርጉም ኣብ ዝህብ እምነት ሓዙ፣ መሳቱኹምን መማህርትኹምን እውን ንክርስቶስ ከም ጐይታ ሕይወቶም ምእንቲ ክኣምንዎን ክምስክርዎን ናብ እምነት ጐይታ ሰሓብዎም፣ ናይ ዘበና መንእሰያት ካብ እግዚኣብሔር ዝምንጩ ሕይወት ናይ ምፍላጥ ግድነትን ካብ ጸጋን ሓቅነት ናይቲ ምእንታኦም ዝሞተን ዝተንሠኤን ክርስቶስ ናይ ምርዋይ ኣድላይነትን ኣለዎም፣ ኣፈታት ቍምስናታትኩምን ማህበራትኩምን ከፊትኩም ብሓባር ጸልዩ፣ በዚ ከአ ነፍሲወከፍ ኣብ ቤተ ክርስትያን ኣባል ከምዝኾነን ብእንኮ እግዚኣብሔር ከምዝፍቀርን ኪፈልጥ ኢዩ። ነቲ ህያብ መንፈስ ቅዱስ ዝኾነ እምነትኩም ብዓቢይ ታሕጓስ ኣብዕልዎ፣ ብኸምዚ ኣልባብኩምን ኣልባብ መሳቱኹምን ነቲ ዚዓበየ በዓል ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት ክዳሎ ኢዩ፣ ኩሉ ድማ ተመክሮ ሓዲስ ግልጸት ሕያውን መንእሰይን ቤተ ክርስትያን ክርከብ ኢዩ።’

ብምባል ቅዱስ ኣቦና ንመንእሰያት እስጳኛ ብ2011 ዓ.ም.ፈ ኣብ ከተማ ማድሪድ ኪበዓል ዝኾነ ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት መሠረት ብምግባር ዝሃብዎ ምኽሪ ቐዋሚ ዘይልወጥ ዕላማ ጉዕዞ ሕይወትናን ታሪኽን ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዝኾነ ብምትንታን ዛዘሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.