2009-04-07 15:12:28

ዓለም ለኸ ደረጃ ናይ ስልጣነታት ቃል ኪዳን


እስፐይንን ቱርክን ብዓለም ለኸ ደረጃ ናይ ስልጣነታት ቃል ኪዳን ክምሥረት ብዘቕረበኦ ሓሳብ መሠረት ኣብ 2005 ዓ.ም.ፈ. ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራን ሕድ ሕዳዊ ምክብባርን ኣብ መግኖ ባህልታትን ሃይማኖታትን ናይ ሓባር ዘተን ሕድ ሕዳዊ ምርድዳእን ንምቕቃሕን ንምርግጋጽ ኣሚቱ ዝቖመ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ማሕበር ልዕሊ 80 ሓገራት ዘሳተፈ ዓለም ለኻዊ ጉባኤኡ ትማሊ ኣብ ቱርኪ ርእሰ ከተማ ኢስታምቡል ከምዝተከፈተ ተገሊጹ።

ነዚ ጉባኤ ብዘረባ ዝኸፈቱ ናይ ቱርኪ መራሒ መንግሥቲ ኤርዶጋን ኣብ መንጎ እስላምን ክርስትያንን ኣይሁድን ምስራቕን ምዕራብን ብዘይ እቲ ኣዚዩ ሓደገኛ ዝኾነ ጃምላዊ ቅድመ ፍርዲ ምርድዳእን ምቅብባልን ምጽውዋርን ዝከኣል ከምዝኾነን ኣትሪሮም ከምዘመልከቱ እንክፍለጥ፣ ኣብቲ ጉባኤ ዝሳተፉ ዘለዉ ናይ ሰላም መድረኽ ማሕበር ንናይ ኢጣሊያ ጨንፈር ኣወሃሃዲ ፍላቪዮ ሎቲ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ እዚ ጉባኤ ኣብ መንጎ እተን ዓበይቲ ኣብ ሓደ ኣምላኽ ዝኣምና ሓይማኖታትን ከማኡ እውን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ባህላውን ፖለቲካውን ዘተን ምንጽጻርን ከምዘሎን ሓደ ንሓደ ተጻይን መሰናኽል ሕላዌን ከምዘይኮነን ባህልን ሕዝብን ሃይማኖትን ብምርኻብ እቲ ሎም ዘይከኣል ዝመስል ዘሎ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ገና ብእዋኑ ንብሩህ መጻኢ ብዘተኮረ መገዲ ምቕናዕ ከምዝከኣል ዝሕብርን ኢዩ ቢሎም መጻኢ ሕይወት ክህሉ ዝኽእል ዘተ እንተሎ ጥራሕ ኢዩ፣ ዘተ ኣገዳሲ ኢዩ እንተኾነ ግን ኣብ ሓደ ስምምዕ ንምጻሕ ዝሓቀነ ጽቡቕ ድላይ ዘይምግባር ነቲ ዘተ ዝብል ቃልን ዕላማን ዝጻረረ ኢዩ፣ ፍልልያትካን ፈሊጥካ ንምርኻብን ንምክብባርን ንምቅብባልን ምጽዓር ማለት እውን ኢዩ እምበር ኣነነትን ዘጎልሓሉን ነት ካባኻ ዝተፈለየ ንዓኻ ክመስል እትድርኸሉ ማለት ኣይኮነን ቢሎም እዚ ጉባኤ ነዚ ኣበርቲዑ ዘቃልሕ ኢዩ ከምዝበሉ ተፈሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.